Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2024

መርሃ ግብሪ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንህንፀት ስርዓት ዲጂታል ኢኮኖሚ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ኢዩ-ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) መርሃ ግብሪ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ከም ሃገር ንህንፀት ስርዓት ዲጂታል ኢኮኖሚ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ኢዩ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥…

ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ተኸሊኦም ዝፀንሑ ዓውዲታት ንግዲ ኢንቨስትመንት ክፍቲ ክኾኑ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ተኸሊኦም ዝፀንሑ ስራሕቲ ንግዲ ኣታዊን ሰደድ ወፃኢን፣ ጅምላን ችርቻሮን ክፍቲ ከምዝኾኑ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቶም ዓውዲታት ንግዲ ንብዙሕ ዓማውቲ ተኸልኪሎም ከምዝፀንሑ ሓቢሩ።…

ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብቐሊሉ ምስሓብ ዘኽእል ኣዋጅ ኢኮኖሚ ፍሉይ ዞባ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብቐሊሉ ምስሓብ ዘኽእል ኣዋጅ ኢኮኖሚ ፍሉይ ዞባ ኣፅዲቑ። እቲ ባይቶ ኣብ ዘሳለጦ መበል 21 ስሩዕ ኣኼብኡ፥ እቲ ኣዋጅ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ፣ ገብርና፣ ንግዲ፣ ኣገልግሎትን…

ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ናፃ ኣገልግሎት ንቕለ ተኸላ ብሌን ዓይኒ ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ምስ ኦፕሬሽን ኢትዮጵያን ፕሮጀክት ሂማልያ ካትሪክት ዝተብሃለ ትካል ምግባረ ሰናይን ብምትሕብባር ብዓይነቱ ዝተፈለየ ወፍሪ ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ክፍሊ ዓይኒ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ…

ንሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ እንገብሮ ደገፍ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ሃገር ኣሰር እነንብረሉ ኢዩ- ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ እንገብሮ ደገፍ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ሃገር ኣሰር እነንብረሉ ኢዩ ከብሉ  ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሬኢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። ኣፈፃፅማ መከደባት እቲ ኮሚሽን ዝጠመተ ፀብፃብ ኣብ ዘዳመፅሉ እዋን፥ እቲ ኮሚሽን ልኡኹ…

ቤተልሔም ወልዴ ኣብ ሻምፒዮና ቦክሲንግ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ብልዑል ውፅኢት ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤተልሔም ወልዴ ኣብ ሻምፒዮና ቦክሲንግ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ብሰፊሕ ውፅኢት ተዓዊታ። እቲ ተጓሳጢት ኣብ ካልኣይ ዙር ከቢድ ሚዛን ብምዕራፍ ብውሳነ ዳይና ከምዝተዓወተት ተገሊፁ። ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕቲዮ፥ ኢትዮጵያ በምውካል ዝተሳተፉ…

ቻይና ብሔራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ንዝሰርሖም ስራሕቲ ከምእትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ብሔራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ንዝሰርሖም ስራሕቲ ከምእትድግፍ ገሊፃ። ኮሚሽነር ተመስገን ጥላሁን ምስ ኢኮኖሚክ ካውንስለር  ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ካውንስለር ያንግ (ዶ/ር) ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ፥ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲን…

መንግስቲ ክልል ማእኸይ ኢትዮጵያ ን658 ተኣረምቲ ሕጊ ይቅርታ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ማእኸይ ኢትዮጵያ ን658 ተኣረምቲ ሕጊ ይቅርታ ከምዝገበረ ርእሰ ምምሕዳር እንዳሻው ጣሰው ኣፍሊጦም፡፡ ይቅርታ ዝተገበረ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸበረ መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ አል ፈጥርን መፃኢ በዓል ፋሲካን ምኽንያት ብምግባር…

ሓበሬታታት ሳተላይት ብምጥቃም ስራሕቲ ምርምር ይስርሑ ኣለዉ – ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ-ስፓሻልን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበሬታታት ሳተላይት ብምጥቃም ስራሕቲ ምርምር እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ-ስፓሻልን ገሊፁ። ኣብ ዓውዲ ጂኦ-ስፓሻል ንትካላት ሓበሬታ ተበፃሒ ክገብር ኣብ ዘኽእል ኩነታት ምስ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ኢንስቲትዩት ተዛቲዩ፡፡…

ኣብ ዱባይ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ኣብታ ከተማ ኣብ ምንቅስቓስ ከቢድ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ኣብ ዱባይ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብታ ከተማ ኣብ ምንቅስቓስ ከቢድ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ተገሊፁ። ኣብታ ከተማ ናብ ኢንተርናሽናል መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝሚወስድ መገዲ ሓዊሱ ኣውራ ጎዳናታትን መንበሪ…