Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2024

ቲቦር ናዢ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝበለፁ መገዲታት ኣየር ሓደ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ነበር ተተካኢ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ቲቦር ናዢ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝበለፁ መገዲታት ኣየር ሓደን ናቶም ቀዳማይ ሕሪያን ከምዝኾነ ገሊፆም። ኣምባሳደር ቲቦር ናዥ ኣብ ማሕበራዊ…

ጣልያንን ክሮሺያን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅንባር ሎሚ መዓልቲ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ኣብ ዝካየድ ፅዋዕ ኣውሮፓ ጣልያንን ክሮሺያን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅንባር ሰዓት 4 ምሸት  ዘካይድኡ ንሕንሕ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ። ጣልያን ክሳብ ሐዚ ኣብ ክልቲኡ ዙር ብመሰረት ዝገበረቶ ፀወታታት ምድብ ክልተ፥  3 ነጥቢ ብምውህላል…

ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንግዲ ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሪፐብሊክ ታንዛኒያ ከተማ ዛንዚባር እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 14 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንግዲ ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ። ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትር ዴኤታ ንዲን ዞባዊ ምትእሳርን ካሳሁን ጎፌ ይሳተፉ ኣለዉ፡፡ ኣብ ኣተገባብራ…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ጒያ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ጒያ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን። ኣትሌት መልክናት ዉዱ ነቲ ውድድር ብ31 ደቒቓን 15 ሴኮንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ወፂኣ። ኣትሌት ቦሰና ሙላት ድማ ብ31…

ግዚያዊ ውፅኢታት ዳግም መረፃ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዕላዊ ይግበሩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ዳግም መረፃ ድምፂ ዝተውሃበሎም ጣቢያታት መረፃ ጊዜያዊ ውፅኢታት ዕላዊ ይግበሩ ኣለዉ። ኣብቲ ክልል ዞባ ምብራቕ ጉራጌ ወረዳ መስቃን ፍሉይ ማረቆን 6ይ ሃገራዊ ዳግም መረፃ ዜጋታት ትማሊ ድምፆም ከምዝሃቡ…

ኣብ ጅግጅጋ ክልል መረፃ 2 እናተኻደ ዝወዓለ ዳግም መረፃ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ክልል መረፃ ክልተ ሎሚ መዓልቲ እናተኻደ ዝወዓለ ዳግም መረፃ ከምዝተዛዘመ መተሓባበርቲ መረፃ ኣፍሊጦም። መተሓባበሪ እቲ መረፃ ኣይተ ሃይለየሱስ ወርቁ ከምዝገለፁ፥ ኣብታ ከተማ ብዝተጣየሹ 123 ጣቢያታታት መረፃ ህዝቢ…

116 ኢትዮጵያውያን ካብ ታንዛኒያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታንዛኒያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 116 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ብመንግስቲ ብዝተገበረ ሓገዝ ገንዘብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዳሬ ሰላም ምስ ኮሚሽን ኢሚግሬሽን ታንዛኒያ ብምትሕብባር ናይ ማእሰርቲ ግዜኦም ዝዛዘሙ 116…

ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ “መቻል ንኢትዮጵያ” 10 ኪሎ ሜትሮ ዝቕፅል ሰንበት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ “መቻል ንኢትዮጵያ" 10 ኪሎ ሜትሮ ዝቕፅል ሰንበት 23 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡ እቲ ውድድር ጉያ ጎደና÷ መበል 80 ዓመት በዓል ምስረታ ጋንታ ስፖርት መቻል ምኽንያት ብምጋብር ኢዩ ዝካየድ፡፡…

ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ንግድ ባንክን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 28 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ንግድ ባንክን ሓደ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊየን። ቅዱስ ጊዮርጊስ ብኤፍሬም ታምራት (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ) እንትተመመዝግብ÷ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ማዕረ ዝኾነትላ…

ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ጀርመን ምስ ስዊዘርላንድ ከምኡ እውን ስኮትላንድ ምስ ሃንጋሪ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ጀርመን ምስ ስዊዘርላንድ ከምኡ እውን ስኮትላንድ ምስ ሃንጋሪ ናይ መወዳእታ ምድብ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን። ኣሰናዳኢት ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ምስ ስዊዘርላንድ መዘነኣ ትገብሮ ፀወታ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም…