Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

May 2024

ኣዲስ ኣበባ ኣብነት ምዕባለ ንምግባር ዝተጀመረ ስራሕ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባ ኣብነት ምዕባለ ንምግባር ዝተጀመረ ስራሕ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ከብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። እተን ከንቲባ መበል ታሽዓይ ከተማዊ ኤግዚብሽን ምህዞን ሳይንስን ተምሃሮ ኣብ ኣደባባይ ሕውነት ምኽፋተን…

ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ዘለዋ ግደ ክተበርኽ ይግባእ-ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ዘለዋ ግደ ንክተበርኽ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ መደረ ዘስምዑ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ተሳትፎን ኣመራርሓን ኣፍሪካ…

ዩኒቨርስቲ መቐለ ዓውደ መፅናዕቲ ሕውየት ትምህርቲ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ዙርያ ሕውየት ዓውደ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዝጥምት ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ መቐለ የሳልጥ ኣሎ። ዕላማ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኵናት ኣብ ዓውደ ትምህርቲ እቲ ክልል የጋጥሙ ዘለዉ ፈተናታትን ብቐፃልነት እቲ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መበል ታሽዓይ ከተማዊ ኤግዚብሽን ምህዞ ሳይንስ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ መበል ታሽዓይ ከተማዊ ኤግዚብሽን ምህዞ ሳይንስ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ብቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ ኤግዚብሽን፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣደባባይ ሕውነት ምክያድ ከምዝጀመረን ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከምዝፀንሕን…

ብሄራዊ ሓይሊ ዕማም ኣብ መዓስከር ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ፀገም ንምፍታሕ ዝገበሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ ሱዳናዊያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ኣተሓሕዛ ንክከታተል ዝተጣየሸ ብሄራዊ ሓይሊ ዕማም ክሳብ ሐዚ ዝገበሮ ምንቅስቓስን ፃዕሪን ዝተባባዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቲ ብሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር…

ምጥንኻር ርክብ ኢትዮ-ሱዑዲ ንምርግጋፅ ቀጣናዊ ሰላምን ድሕንነትን ልዑል ግደ ኣለዎ-ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምጥንኻር ርክብ ኢትዮ-ሱዑዲ ንምርግጋፅ ቀጣናዊ ሰላምን ድሕንነትን ልዑል ግደ ኣለዎ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። ኣምባሳደር ታዬ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑዲ ዓረብ ፈይሰል ቢን ፋርሃን ኣል-ሳዑድ…

ስራሕቲ ፅገና መስጊድ ኣልነጃሺ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ፅገና ታሪካዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከምዝጅምር ሚኒስቴር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሚንስቴር ቱሪዝም ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ በርክ ባራን ብመሰረት ዝገበሮ ተኸታታሊ ዘተ፥ መንግስቲ ቱርኪ ነቲ መስጊድ ንምፅጋን…

ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን ንሃገራዊ ምዕባለ ወሳኒ ግደ ኣለዎም – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን ንሃገራዊ ምዕባለ ወሳኒ ግደ ኣለዎም ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን  በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም። “ኣብ ኢትዮጵያ መፅናዕቲን ምርምርን ዘለሉ ብርኪ፣ መልክዕን ተስፋታትን” ብዝበል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ኣብ…

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዘጋጠሞ ፀገም እታወት PPC ብምፍታሕ ምፍራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዘጋጠሞ ፀገም እታወት PPC ብምፍታሕ ምፍራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። እቲ ፋብሪካ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጋጠሞ ናይ እታወት ፀገም PPC ዝዓይነቱ ሲሚንቶ ምፍራይ ጠጠው ኣቢሉ…

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣፈፃፅማ ትልሚ ምግቢን ስርዓተ ምግብን ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምከትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ስራሕ ኣፈፃፅማ ትልሚ ምግቢን ስርዓተ ምግብን ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጦም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ…