Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2023

ኣብ ትግራይ 800 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ይከፋፈል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ 800 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ይከፋፈል ከምዘሎ ተገሊፁ። እቲ ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ እዋን ሓጋይ 2016 ዓ.ም ንዝካየድ መስኖን ዘበነ ምህርቲ 2016/17ን ዝውዕል ከምዝኾነ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል…

ሩሲያ ናብ ቤላሩስ መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ናይ ምብፃሕ ስራሓ ከምዝዛዘመት ሉካሼንኮ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ናብ ቤላሩስ መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ናይ ምብፃሕ ስራሓ ከምዝዛዘመት ፕሬዚዳንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ተዛሪቦም። ሉካሼንኮ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዩሬዢያ ኢኮኖሚ ሩሲያ ትማሊ ምሸት ናብ ሴንት ፒተርስበርግ ኣቕኒዖም። ኣብቲ እዋን…

ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትኹረት ዝጠልቡ ጉዳያት ምፍላይ ብእዋኑ ንኽዛዘም ርብርብ ክግበር ይግባእ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትኹረት ዝጠልቡ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ብምፍላይ ኣብ ዝተደለየ እዋን ንኽዛዘም መዳርግቲ ኣካላት ርብርብ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። ኣብ ኣፈፃፅማ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ዝተገበረ ፀብፃብ…

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብ ዝተተኸሉ ፈልሲታት 85 ሚኢታዊ ዝኾኑ ከምዝፀደቑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2015 ዓ. ም እዋን ክረምቲ ካብ ሞንጎ ዝተተኸሉ ፈልሲታት 85 ሚኢታዊ ዝኾኑ ከምዝፀደቑ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ። ኣብ እዋን ክረምቲ 2015 ዓ.ም ካብ ዝተተኸሉ ፈልሲታት እቶም 57 ሚኢታዊ ንጥሙር ደኒን ፍረምረን ዝውዕሉ ፈለሲታት ዝተረፉ…

ሩሲያ ናይ ጦር መርከባ ብዝተፈፀመላ መጥቃዕቲ ከምዝዓነወት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ሓንቲ ናይ ጦር መርከባ ኣብ ፀሊም ባሕሪ ብዝተፈፀማ መጥቃዕቲ ከምዝዓነወት ኣፍሊጣ። እታ መርከብ ሩሲያ ኣብ ትቆፃፀሮ ግዝኣት ክሬሚያ ኣብ ዝርከብ ወደብ ፊዮዶሲያ ከባቢ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከምዝዓነወት ኢዮም ብ መዚ ሩሲያ ሓቢሮም ዘለዉ።…

ብመስኖ ዝተደገፈ ስራሕቲ ሆርቲካልቸር ንምውጋን ዝተገበረ ፃዕሪ ዝነኣድ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመስኖ ዝተደገፈን ፍርያቱ ዝዓዘዘን ስራሕ ሆርቲካልቸር ንምውጋን ዝተገበረ ፃዕሪ ዝነኣድ ውፅኢት እናርአየ ከምዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም፡፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ትልሚ ልምዓት ዓሰርተ ዓመት ፍርያት ፍረምረን…

ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) በዓል ልደት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) በዓል ልደት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም፥ ብዓል ልደት ፈረንጂ ንዘኽብሩ ኩሎም ኢዮም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም። ኣብ…

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ፀፅታ ምስ ሰብ ዋና ሜትር ታክሲ ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ፀፅታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝሰርሑ ሰብ ዋና ሜትር ታክሲ ዘቲዩ። ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ ሚካኤል፥ ጉዳይ ሰላም ናይ ኩሉ ኢዩ ኢሎም። ስለዝኾነ እቶም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ጎኒ…

ኣብ ቱሪዝም እናተርኣዩ ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ዘፈር ውልቀ ዘነቓቕሑ ኢዮም – ፍጹም ኣሰፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቱሪዝም እናተርኣዩ ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ዘፈር ውልቀ ዘነቓቕሑ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን። ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ንምረቓ ዝበቕዐ ዳና ሎጅ ሓርማዝ ጨበራ ኣመልኪተን ከምዝበለኦ÷ ኢትዮጵያ ዓሚቕ ሃፍቲ…

ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተኹሲ ምግባር ወጥሪ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘህድኦ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃማስን ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምህዳእ ብሕታዊ መገዲ ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተኹሲ ምግባር ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ገሊፆም፡፡ ኣብ የመን ዝርከቡ ዓመፅቲ ሃውቲ ቀይሕ ባሕሪ “ማእኸል ዓውደ ኲናት” ቅድሚ…