Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2023

ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታት መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ኢትዮጵያ ኣክሊሉ ታደሰ ምስ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሽሪ ሮበርት ተዛቲዮም፡፡ ኣይተ ኣክሊሉ÷ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ኢትዮጵያ ተዋፊሮም ዝፀንሐ ምሕዝነት ክልቲአን…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣፍሊጡ። እቲ ሓደጋ ምሸት ሰዓት 12:36 ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 7 ጉርድ ሾላ ድሕሪ ንግድ ባንክ…

መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቱ ካብ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 ዓም (ኤፍ ቢሲ)መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቱ ካብ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ። እቲ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ከምዝተኸበረ ብምግላፅ፥ እዚ ንክዕወት ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኩሎም መንግስቲ አመስጊኑ። ኣከባብራ በዓል ዓወት ዓድዋ …

እቲ ስምምዕነት ሰላም ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታ ብዘይ ኢድ ኣእታዊነት ግዳም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርኣየ ኢዩ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታ ብዘይ ኢድ ኣእታዊነት ግዳም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርኣየ ኢዩ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም። ብኣይተ ደመቀ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ…

ብትግሃት፣ ትዕግስቲን ብሄራዊ ሕጊ ብምኽባርን ካብ ድኽነት ናፃ ዝኾነት ሃገር ምፍጣር ንኽእል ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብትግሃት፣ ትዕግስቲን ብሄራዊ ሕጊ ብምኽባርን ሓበራዊ ፃዕርና ተወሲኽዎ ካብ ድኽነት ናፃ ዝኾነት ሃገር ምፍጣር ንኽእል ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ…

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ኳታር ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ኳታር ሼክ ካሊፍ ቢን ጃሲም ቢን ሞሃመድ አል ታንጅ ዘቲዮም። እቲ ዘተ፥ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን መትሕብባር ኢኮኖሚ በዝበለፀ…

መኽፈቲ ስነ ስርዓት ሃገራዊ ጎስጓስ ተገዛእነት ሕጊ ታክስን ጉምሩኽን  ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መኽፈቲ ስነ ስርዓት ሃገራዊ ጎስጓስ ተገዛእነት ሕጊ ታክስን ጉምሩኽን  ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መርሃ ግብሪ፥ “ግብሪ ንክብሪ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ መድረኽ፥ ከፋሊ ግብሪ ግብሩ ብኣግባቡ…

ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ኣብ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝኸውን ደገፍ 40 ሚሊየን ብር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ኣብ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝኸውን ደገፍ 40 ሚሊየን ብር ገይሩ። ኣቦ መንበር  ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሼይኽ መሓመድ ሁሴን ዓሊ ኣል-ኣሙዲን ኣብ ቦሮና ብዘጋጠመ ደርቂ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።…

በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ። ኣብ ከልል ጋምቤላ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ዝተረኸቡ ተወካሊ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል ቸንኮት ቾት፥ ዓወት ዓድዋ ኢትጵያውያን ወራሪ ሰራዊት ጣሊያን ዝሰዓርሉ ክፍቲት ዋጋ…

ኣብ ዞባ ቦረና ዘጋጠመ ፀገም ሕፅረት ማይ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ኣብ ዞባ ቦረና ዘጋጠመ ፀገም ሕፅረት ማይ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ዝገበረ እንትኸውን፥ እቲ…