Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2023

ኣካዳሚ ኣቪዬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዩኒቨርሲቲነት ዓብዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካዳሚ ኣቪዬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዩኒቨርሲቲነት ከምዝዓበየ ተገሊፁ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ብመርሃ ግብሪታት ”ኤሮስፔስ” ን እንግዶትን ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ምጅማሩ ካብቲ  ኣቪየሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እቲ ትካል፥ ብስልጠናታት…

ኣብ ክልል ደቡብ ብሰንኪ ድርቂ ንዝተጎድኡ 2 ሚሊየን ዜጋታት ህፁፅ ደገፍ ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ብሰንኪ ድርቂ ንዝተጎድኡ 2 ሚሊየን ዜጋታት ህፁፅ ደገፍ ከምዘድሊ ተገሊፁ። ኮሚሽን ሓደጋን ድልውነትን ኣመራርሓ ስራሕን እቲ ክልል፥ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ኣካላት ህፁፅ ምላሽ ንክህቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ኣብ ክልል ደቡብ…

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ብሄራዊ ዘተ ኣማራፅታት ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ብሄራዊ ዘተ ኣማራፅታት ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ…

ጀርመን ንቻይና ኣጠንቂቓታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሒ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሹልዝ ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩሲያን ዩክሬንን ኢዳ እንተእቲያ ማዕብ ከምዝፅበያ ኣጠንቂቖም። ሹልዝ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝገብሩዎ ዑደት ተተሓሒዙ፥ ቻይና ኣብ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ኢዳ እንተእቲያ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ዓባይ…

ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ መበል 15 ስሩዕ ጉባኤኡ የሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ መበል 15 ስሩዕ ጉባኤኡ የሳለጥ ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዘሳልጦ ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ደንብታትን ረቀቕቲ ኣዋጃትን ዘተ ብምግባር ውሳነ ከመሓላልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ዝተጓደሉ…

ኣብ ትግራይ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ብሙሉእ ዓቕመን ኣገልግሎት ክህባ ንምግባር ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ብሙሉእ ዓቕመን ኣገልግሎት ክህባ ንምግባር ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሚኒስቴር መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ቀረብ መድሓኒትን መሳርሒታት ሕክምናን ረጋሳ ባይሳ÷ ኣብ ኩሎም ከባቢታት…

ሃገር ለኸ ውድድርን ፌስቲቫልን ባህላዊ ስፖርት ኣብ ሚዛን ኣማን ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 20 ሃገር ለኸ ውድድርን ፌስቲቫልን ባህላዊ ስፖርት “ባህላዊ ስፖርት ንሓድነትናን ሰላምናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከተማ ሚዛን ኣማን ተጀሚሩ። ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ…

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሙፈሪሃት ካሚልን ኣብ ከተማ ኣዳማ ተረኺቦም ልምዓት ኢንዱስትሪ ጎጆ ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚልን ኣብ ከተማ ኣዳማ ብምርካብ ኣብ ልምዓት ኢንዱስትሪ ጎጆ ዑደት ኣሳሊጦም። ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ዑደት፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን…

ምሕዝነትን ኢንቨስትመንታትን ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ኣድለይቲ ኢዮም – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕዝነትን ኢንቨስትመንታትን ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ኣድለይቲ ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ÷ “ዕዳ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዘብፀሖ ከቢድ…

ኣብ ማራቶን ቶኪዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማራቶን ቶኪዮ 2023 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ዓወት ቀኒዑዎም። ኣብ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ፥ ኣትሌት ዴሶ ገልሚሳ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 22 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ተዓዊቱ፡፡ ኣትሌት መሓመድ ኢሳ 2ይ፤ ኣትሌት ፀጋዬ…