Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2023

ኣብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ከምዘድሊ ቢሮ ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓደዝ ወድብ ሕቡራት መንግስታት(ኢቻ) ኣፍሊጡ። እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ እዋናት ዝናብ ብዘይምዝናቡ…

ዑደት ኣንቶኒ ብሊንከን መርኣያ ሕውነት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ናብ ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ምዕራፍ ምሽግጋር  ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዑደት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መርኣያ ሕውነት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ናብ ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ምዕራፍ ንምሽግጋር  ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ። ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝሃብዎ…

ቼክ ሪፐብሊክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ከምእተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቼክ ሪፐብሊክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ከምእተጠናኽር ገሊፃ። ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ተተካኢ ምክትል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቼክ ጂሪ ኮዛክ ዘቲየን። ወይዘሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ኢትዮጵያ ምስ ቼክ…

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ተመሊሶም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ነቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ…

ኣብ ሽግግር ፍትሒ ዝጠመተ ጉባኤ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ፍትሒ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ኣብ ሽግግር ፍትሒ ዝጠመተ ጉባኤ ይሳለጥ ኣሎ። ዓለም ለኸ ሞያዊያን ኣብቲ ጉባኤ ልምዶም ከምዘካፍሉ ተሓቢሩ። ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣለምኣንተ ኣግደው፥ መንግስቲ ንምርግጋፅ ሽግግር ፍትሒ…

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 100 ሺሕ ኣባይቲ ንምህናፅ  ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 100 ሺሕ ኣባይቲ ንምህናፅ  ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ። እቲ ምምሕዳር ሕቶ ህዝቢ ምላሽ ንምሃብ ብመንግስቲን ብውልቀን ዝስርሑ ቀዳማይ ዙር ፕሮጀክት ህንፀት 100 ሺሕ ኣባይቲ ንምጅማር ስነስርዓት ክታም ሰነድ ስምምዕነት…

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ናይ መጀመርታ ቆንስላ ቤት ፅሕፈት  ኣሜሪካ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኣሜሪካን ግቢ ኣብ ዝርከብ ናይ መጀመርታ ቆንስላ ቤት ፅሕፈት ኣሜሪካ ዑደት ገይሮም። ኣብ ኣሜሪካን ግቢ ኣብ ዝርከብ ናይ መጀመርታ ቆንስላ ቤት ፅሕፈት ኣሜሪካ፥ ፊታውራሪ ሃብተጊዮርጊስ ዲነግዴ…

ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ልዕሊ 331 ሚሊየን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባራ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንኢትዮጵያ ልዕሊ 331 ሚሊየን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ዕላዊ ገይሮም። ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዝሓሮ፥ እቲ ሓገዝ በቲ ሚኒስቴር ቤት…

ኣፍሪካ ብስወራ ግብሪ በቢዓመቱ ካብ 40 ክሳብ 60 ቢሊየን ዶላር ከምትስእን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ብምኽንያት ስወራ ግብሪ በቢዓመቱ ካብ 40 ክሳብ 60 ቢሊየን ዶላር ከምትስእን ምክትል ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካን በዓልቲ ሞያ ቁጠባዊ ሃፍቲን ሃናን ሞርሲ ገሊፀን። ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን…

ንኢትዮጵያ ስጋኣት ዝኾኑ ሕማማት ንምክልኻል ርብርብ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት የድሊ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ እዋናዊ ስጋኣት ዝኾኑ ሕማማት ንምክልኻል ርብርብ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ከምዘድሊ ተገሊፁ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ቤት ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተሰብ መምህር መምህር ዶክተር ሚርጊሳ ካባ ከምዝገለፁዎ፥ ጥዕና ማሕበረሰብ ምስ እንስሳት፣…