Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2023

ዓይንና ከፊትና እንተንሰርሕ ዓለም ዘደምሙ ሓያሎ ቦታታት ኣብ ሃገርና ኣለዉ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓይንና ከፊትና እንተንሰርሕ ዓለም ዘደምሙ ሓያሎ ቦታታት ኣብ ሃገርና ኣለዉ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዝበለፀ ሃገር ኣለና ኢሎም። ስለዝኾነ…

ኣብ ስርዓት ወፃኢ ንግዲ ብዘሎ ክፍተት ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ከምዝወፅኡ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስርዓት ወፃኢ ንግዲ ብዘሎ ክፍተት ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ከምዝወፅኡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም። ሃገራዊ መድረኽ ምውዳድ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ሸራተን ኣዲስ…

ትካል ጥዕና ዓለም 35 ሜትሪክ ቶን ናውቲ ሕክምና ሃንደበታዊ ሓደጋ ንክልል ትግራይ የከፋፍል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ጥዕና ዓለም 35 ሜትሪክ ቶን ናውቲ ሕክምና ሃንደበታዊ ሓደጋ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከባ ትካላት ጥዕና እናቕረበ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ነቶም ቀረባት ልኢኹዎም ዘሎ፥ ምስ ሲቪል ሓለዋን ሰብ ኣዊ ሓገዝን ሕብረት ኣውሮፓ፣ ትካል ተራድኦ…

መበል 55 ስሩዕ ኣኼባ ውሕመ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ፕላንን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 55 ስሩዕ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ፕላንን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ብብርኪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ተጀሚሩ። እቲ ኣኼባ “ንኣፍሪካ ዳግመ ህንፀትን ለውጢ ብምቅልጣፍ…

ልዕሊ 177 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 177 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም። እቶም ኣቁሑት ኮንትሮባንድ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ትሽዓተ ውልቀ ሰባትን 12 ተሸከርከርቲን እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡ ካብ 1 ክሳብ 7 መጋቢት 2015 ዓ.ም…

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ፀወታ መለክዒ ቁመና ንሩዋንዳ 1ን0 ስዒሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየደቶ ፀወታ መለክዒ ቁመና ንሩዋንዳ 1ን0 ስዒራታ፡፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ፥ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ ጊኒ ንትገብሮ ፀወታ መለክዒ ቁመና ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 10 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ኣብ ስታዲየም…

ክብሪታት ሰላም ንምህናፅ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ኣነ ሓላዊ ሓፍተይ ኢየ“ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር እናተኸበረ ዝፀንሐዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዓ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን…

ኩለመዳይ ምዕባለ ሃገር ንምርግጋፅ ግደ መናእሰይ ዝዓዘዘ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩለመዳይ ምዕባለ ሃገር ንምርግጋፅ ግደ መናእሰይ ዕዙዝ ከምዝኾነ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ተዛሪቦም። "መሰረታዊ ኣተሓሳስባታትን ሓሳባትን ፓርቲ ብልፅግና" ብዝብል ርእሲ ካብ 3 ክሳብ 11 መጋቢት 2015 ዓ.ም ንኣባላት…

ኣብ ኣማላዊ ብዘጋጠመ ከቢድ ኣውሎ ንፋስ ህይወት 447 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡባዊ ኣማላዊ ብዘጋጠመ ከቢድ ኣውሎ ንፋስ ህይወት 447 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። ትማሊ ዕለት ብኣቆፃፅራ ሰዓት ማላዊ ከባቢ ሰዓት 7 ዘጋጠመ ከቢድ ኣውሎ ንፋስ (ሳይክሎን) ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ልዑል ጉድኣት ኣብፂሑ፡፡ ኣብ…

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ምንቅስቓስ እቶትን ምሃብ ኣፍልጦን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ "ግብሪ ንኽብሪ ሃገር" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ምንቅስቓስ እቶትን ምሃብ ኣፍልጦን የካይድ ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣…