Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2023

ብኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ተዛቲዩ። ኣብቲ እዋን ዘተ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሓዊሱ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ዕዉት ውፅኢት ከምዝገበሩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ…

ትካል ቄራታት ልዕሊ 5 ሺሕ ኣገልግሎት ማሕረዲ እንስሳት ንመሃብ ምድላው ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል በዓል ትንሳኤ 5 ሺሕ ኣገልግሎት ማሕረዲ እንስሳት ንመሃብ ምድላው ከምዝዛዘመ ትካል ቄራታት ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ፡፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ርክብ ህዝቢ እቲ ትካል ኣታኽልቲ ገብረሚካኤል፥ ንበዓል ትንሳኤ ልዕሊ 5 ሺሕ ማሕረዲ እንስሳት ከምዝቐርቡ…

ትካል ሰባት ንሰባት ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝኸውን ደገፍ 100 ሚሊየን ብር ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ሰባት ንሰባት ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝኸውን 100 ሚሊየን ብር ዝግመት ብዓይነት ደገፍ ሂቡ። እቲ ደገፍ ሓላፊ ቢሮ ገንዘብ ክልል ኦሮሚያ ቶሎሳ ጋዳፋ ተረኪበምዎ። 2 ሺሕ 510 ኩንታል ሕሩጭ ዒልዎ፣ 8 ሺሕን 400…

“ናይ ምድማር ትውልዲ ምህናፅ” ብዝብል መሪሕ ቃል ሓዱሽ ወግዒ ሎሚ መዓልቲ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝሰናዳእ መድረኽ ዘተ ሓዱሽ ወግዒ ሎሚ መዓልቲ ክሳለጥ ኢዩ። እቲ መድረኽ፥ “ናይ ምድማር ትውልዲ ምህናፅ” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝካየድ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦…

መፍረስቲ ዛዕባታት ንምምካት ኮሙዩኒኬሽናት ፌዴራልን ክልላትን ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መፍረስቲ ዛዕባታት ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምካት ኮሙዩኒኬሽናት ፌዴራልን ክልላትን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም። “ስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ፀብለልታ ሒዞም ንኽፀንሑ ቀንዲ ዛዕባታት…

ተወሳእቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ ዘይሕጋዊን መትከል ኣልቦን ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ይግባእ-ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተወሳእቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ ዘይሕጋዊን መትከል ኣልቦን ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ይግባእ ክብል ፓርቲ ብልፅግና ገሊፁ። እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ መበገሲን መዛዘሚን ናይ ኩሎም ቅዋማትን ተግባራትን ኢትዮጵያ ህልውና፣ ልዕልነት፣ ምዕባለን ሰላም  …

ምስ ትሕዝቶ መሬት ተተሓሒዙ ልዕሊ 132 ሚሊየን ብር ጉድኣት ኣብ ዘብፅሑ ውልቀ ሰባት ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)4 ሺሕን 392 ካሬ ሜትር ትሕዝቶ ነሬት ብዘይተገበአ መገዲ ንውልቀ ሰባት ክወሃብ ብምግባር ልዕሊ 132 ሚሊየን ብር ጉድኣት ብምብፃሕ ብገበን ዝተጠርጠሩ 84 ተኸሰስቲ ብገበን ገበን ግዕዝይና ክሲ ተመስሪቱ። እቲ ክሲ ተመስሪቱ ዘሎ ኣብ ላዕለዋይ ቤት…

ኣብ ከተማ ጎንደር ሰላምን ልዕልነት ሕጊን ንምርግጋፅ ዓሊሙ ዝተፈላለዩ እግዳት ተነቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮማንድ ፖስት ፀፅታ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኣብታ ከተማ ሰላምን ልዕልነት ሕጊን ንምርግጋፅ ዓሊሙ ዝተፈላለዩ ክልከላታት ኣንቢሩ። ብመሰረት እዚ 1 . ኣብታ ከተማ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ቤት መስተን ሳዕሲዒትን ካብ ሰዓት 3 ምሸት ንደሓር ኣገልግሎት…

ትካላት ንመኣዲ ንሃገር ዝገብርኡ ደገፍ ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ትካላት ንመኣዲ ንሃገር ዝገብርኡ ደገፍ ይቕፅል ከምዘሎ ተገሊፁ። ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተፈላለያ ትካላት መበል ሓምሻይ ዙር ደገፍ ምግባሮም ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ሬዳዋ ሞተርስ ኢንዱስትሪ 15 ሚሊየን ብር ከምዝለገሰ…

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ከምዘካይዱ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ እቲ ጋንታ ኣብ ፃንሒቱ ምስ ብሄራዊ ጋንታታት ካሪቢያን ፀወታ ከምዝገብር ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረከብናዮ…