Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2023

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ንሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኣመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ንሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኣመስጊኖም። እቶም ዋና ፀሓፊ፥ “ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ፀፅታ እቲ ዞባ ካብ ምዕሳል ብተወሳኺ ድሕንነት ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብግቡእ ብምሕላዉን ምሳና…

900 ሺሕ ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ 62 ሚሊየን ዶላር ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 900 ሺሕ ዝኣኽሉ ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ 62 ሚሊየን ዶላር ከምዘድሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ። ህይወት እቶም ስደተኛታት ንምድሓን፥ እቲ ዝተፀርሐ ሓገዝ ገንዘብ ብህፁፅ ከምዘድሊ እውን ኣተሓሳሲቡ፡፡…

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ምክትል ቀ/ሚኒስትር ስሎቬኒያ ታንያ ፋዬን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድምስ ምክትል ቀዳማይቲ ሚኒስትር ስሎቬኒያ ታንያ ፋዬን ተዛቲዮም። ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ስሎቬኒያን  ዕዉት ልዝብ ከምዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም…

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ትካላት ጥዕና መሊስካ ንምውዳብ ዘኽእል ዑደት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ስራሕተን ንምርኣይን እተን ትካላት ጥዕና መሊስካ ንምውዳብን ዘኽእል ዑደት ይሳለጥ ኣሎ። ካብ ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ብመሪሕነት ሚኒስትር ጥዕና…

ላዕለዎት ሰብ መዚ ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ዝገብሩዎ ዑደት ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ኣፍልጦ ዝህብ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሰብ መዚ ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ዑደት ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ኣፍልጦ ዝህብ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ሳምንታዊ መግለፂ…

ኣብ 5ይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 6 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲ ክትከል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 5ይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብብርኪ ሃገር 6 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ። 45 ሚኢታዊ ዝኸውን ንደኒ ዝውዕል እንትኸውን፥ ዝተረፈ 55 ሚኢታዊ ድማ ንጥሙር ሕርሻን ፍረምረን ዝውዕል…

ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ምጅማር ምንቅስቓስ ፀረ-መዕወኒ ሓሺሻት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)''ንመናእሰይ ካብ መዕወንቲ ሓሺሻትን መፃእቲ ልማዳዊ ተግባራትን ነድሕን'' ብዝብል ቃል ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ምጅማር ምንቅስቓስ ፀረ-መዕወኒ ሓሺሻት ይካየድ ኣሎ። ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ኣብቲ መርሃ…

ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ኮሚሽን ህዝቢን ዕቤትን ውሕመ ትሳትፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኒውዮርክ እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ መበል 56 ስሩዕ ጉባኤ ኮሚሽን ህዝቢን ዕቤትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትሳትፍ ኣላ። እቲ ጉባኤ፥ “ሕዝቢ፣ ትምህርቲን ዘላቒ ልምዓትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡ ብሚኒስትር…

ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብዕቱብ ከምትሰርሕ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብዕቱብ ከምትሰርሕ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣፍሊጦም። እቶም ሚኒስትር፥ “ካብ ዕዳ ምውፃእ፣ ዕቤት ምምዝጋብ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣሜሪካ ኣብ ዘሰናደአቶ ዓለም ለኸ መድረኸ ፓናል ዘተ ኢኮኖሚ ተሳቲፎም።…

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብራ ኢየን። እተን ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልወን ናይ ክልተ መዓልቲ ፃንሒት፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ሕብረት ኣፍሪካን ክዛተያ ኢን ዝብል…