Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2023

ኣብቲ ዝሓዝናዮ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብግዝፈቱ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራ ሳልሳይ ደረጃ ክሕዝ ኢዩ – ኣይ ኤም ኤፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝሓዝናዮ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብግዝፈቱ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝሕዝ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይ ኤም ኤፍ) ኣመልኪቱ። ኣይ ኤም ኤፍ ኣፈፃፅማ ትንበያ ኢኮኖሚ ዓለም 2023 ዕላዊ…

በዓላት ስቕለትን ትንሳኤን ብሰላም ንኽኽበሩ ምድላው ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት ስቕለትን ትንሳኤን ብሰላም ንኽኽበሩ ኣድላዪ ምድላው ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ። በዓላት እንትቃረቡ ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ ምንቅስቓስ እግረኛታትን ተሽከርከርቲን ከምዝስተውዓል ዝገለፀ እቲ…

ምትሕብባር ከባቢ ዶብ ክብ ምባል ዞባዊ ምቅርራብ ዕላዊ ኣብ ምግባር ይሕግዝ-ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምትሕብባር ከባቢ ዶብ ክብ ምባል ዞባዊ ምቅርራብ ዕላዊ ኣብ ምግባር ይሕግዝ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ኣኼባ እዋን ፅድያ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል…

ኣሜሪካ ምስጢራዊ ሰነዳት ወተሃደራዊ ድሕነት ብምልሓኽ ንዝተጠርጠረ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ኣውዒላቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ምስጢራዊ ሰነዳት ወተሃደራዊ ድሕነት ብምልሓኽ ንዝተጠርጠረ ወዲ 21 ዓመት ኣባል ሃገራዊ ሓለዋ ኣየር እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ኣውዒላቶ። እቲ ጃክ ተሸይራ ዝተብሃለ መንእሰይ፥ ነቶም ሰነዳት ኣብ ናይ ኢንተርነት ጌም መፃወቲ ቻትሩም ከምዝዘርገሖም…

ኣጥቃዓይ ባየር ሙኒክ ሳድዮ ማኔ ካብ ፀወታ ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባየር ሙኒክ ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ብማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝተሳዕረትሉ ፀወታ ሳድዮ ማኔ ምስ ሌሮይ ሳን ብዘርኣዮ ምትህልላኽ ካብ ፀወታ ከም ዝኣገደቶ ኣፍሊጣ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ናብ ባየርን ዝተፀንበረ ኮኾብ ሊቨርፑል…

ስነ ስርዓት በዓል ስቕለት ኢየሱስ ክርስቶስ ብመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ስርዓት በዓል ስቕለት ኢየሱስ ክርስቶስ ብመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ኣብ መላእ ሃገር ይኽበር ኣሎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስርትያን ኢትዮጵያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ብስግደትን ፆምን ዝኽበር ዘሎ እንትኸውን፥ ኣብ…

ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ዕጥቆም ምስ ዝፈትሑ ነበር ዕጡቓት ሸኔ ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ዕጥቆም ምስ ዝፈትሑ ነበር ዕጡቓት ሸኔ ዘቲዩ። ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ከምዝገለፅዎ፥ ነበር ዕጡቓት እቲ ግብረ ራዕዲ ኣፅዋሮም ብምቕማጥ ናብ ስሩዕ ናብረኦም…

ፀሎተ ሓሙስ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ተኸቢሩ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዚያ፣ 2015(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓሙስ ፅግቦ(ፀሎተ ሓሙስ) ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ ውዒሉ። ሓሙስ ፅግቦ ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርሰቲያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ትሕትና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘርእይ መገዲ ብዝተፈላለዩ ስነ…

ቴሌቪዥን ኢሳት ናይ መወዳእታ ወረቐት መጠንቀቒ ተዋሂቡዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንቴሌቪዥን ኢሳት ናይ መወዳእታ ወረቐት መጠንቀቒ ሂቡዎ። እቲ በዓል መዚ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ እቲ ጣቢያ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ሚዛናውነት ዝጎደሎም፣ ኣብ ጭቡጥ ሓበሬታ…

ጉባኤ ማሕበር መገዲታት ኣየር ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መፃኢ ወርሒ ግንቦር ዝካየድ ጉባኤ ማሕበር መገዲታት ኣየር ኣፍሪካ ከተኣናግድ ኢዩ። ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብቲ ጉባኤ ብዙሓት ዓለም ለኸ ኢንዱስትሪታት…