Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2023

ኩለ መዳይ ተረባሕነት ዜጋታት ኣብ ምርግጋፅ ግደ ባንኪ ዓለም ልዑል ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩለ መዳይ ተረባሕነት ዜጋታት ኣብ ምርግጋፅ ግደ ባንኪ ዓለም ልዑል ከምዝኾነ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ገሊፁ። መዕፀዊ መርሃ ገብሪ ብድጋፍ ባንኪ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓማውቲ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ “ቦሌ ለሚ ሁለት” ን ቂሊንጦን…

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ናብ  ፕሪሚየር ሊግ ምምላሱ ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ደሕቲ 6 ዓመት ናብ  ፕሪሚየር ሊግ ምምላሱ ኣረጋጊፁ። ቤንች ማጂ ቡና ብኣዲስ ከተማ ክፍለ ከተማ 2 ን 1 ምስዓሩ ስዒቡ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ምምላሱ ከምዘረጋገፀ ተሓቢሩ። ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ…

ጉባኤ ሊግ ዓረብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 32 ጉባኤ ሊግ ዓረብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ይሳለጥ ኣሎ። ብኲናት ሕድ ሕድ እትሕመስ ሩሲያ ድሕሪ 12 ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብቲ ጉባኤ ትሳተፍ ኣላ። ነታ ሃገር ብምውካል ፕሬዚዳንት በሽር ኣል ኣሳድ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ናብ ጅዳ ከምዘቕንዑ…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሎምቢያ ብምዃን ኣብ ብሄራዊ ሙዚየምን ዑደት ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሎምቢያ ፍራንሲያ ማርኩዌዝን  ኣብ ብሄራዊ ሙዚየምን ዑደት ኣካይደን። ብምክትል ፕሬዚዳንት ኮሎምቢያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል ዘተ ዝገበረ እንትኸውን፥…

ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ብቕልጠፍ ንምፍታሕ ብውሁድ ሓድነት ክንረባረብ ይግባእ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝመርሕዎ ካብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ዝተወከሉ ተሳተፍቲ ዝተረኸብሉ ህዝባዊ ዋዕላ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ሆቴል ፕላኔት ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ ኣይተ ጌታቸው…

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ደገፍ ኣምቡላንስን ተሽከርከርቲን ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ዝሕግዝ ደገፍ 14 ኣምቡላንስን 9 ተሽከርከርቲን ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ረኺቡ። እተን ኣምቡላንሳት ብ28 ሚሊየን ብር ዝተዓደጋ እንትኾና እተን ንሰርቪስ ዘገልግላ ድማ ብ18…

ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሽርክና ኣጠናኺሩ ከምዘቐፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኩለ መዳይ ሽርክናን ምትሕብባርን ኣጠናኺሩ ከምዘቐፅል ኣፍሊጡ። እቲ ባንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ እዋናዊ ኩነታት ዝጠመተ መግለፂ ሂቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጎንፂን ድርቅን ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት…

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን መገዲ ፓሎች – ማቲያንግ – ማይውት – ፓጋክ ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን መገዲ ፓሎች - ማቲያንግ - ማይውት - ፓጋክ ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን። እቲ መገዲ፥ ምዕራብ ኢትዮጵያ ምስ ሰሜን መብራቕ ደቡብ ሱዳን ዘራኽብ  ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኣብ ስነ ስርዓት መንባር ክታም…

ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮብያ ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮብያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዑደት ኣሳሊጡ። እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርስቲ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ…

ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሳልሳይ ርባዕ ዓመት ሚኒስትራት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሳልሳይ ርባዕ ዓመት ሚኒስትራት ይካየድ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ከምዝበልዎ፥ ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘሎ ከይዲ ንምግምጋም ብዘለና ቁርፀኝነት እቲ…