Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2022

ኢትዮጵያ ኣብ መበል 60 ቤት ምኽሪ ፓርላማ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያን ፓስፊክን ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 60 ቤት ምኽሪ ፓርላማ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያን ፓስፊክን ትሳተፍ ኣላ። ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዕሊ ኣብ ዝተኸፈተ…

ንበዓል ትንሳኤ ናብ እስራኤል ንዝኸዱ ኢትዮጵያውያን ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ጉዕዞ ተላዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንበዓል ትንሳኤ ናብ እስራኤል ኣብ ዝኸዱ ኢትዮጵያውያን ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ጉጅለ ጉዕዞ ቪዛ ከምዝተለዓለ ተገሊፁ። ምስ ኣቦታት ገዳም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ኢየሩሳሌም፣ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል፣ ቤት ፅሕፈት…

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያንን ማስተር ካርድን ስርዓት ከክፍሊት ኣገልግሎት መንግስቲ ንምዝማን ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያንን ማስተር ካርድን ስርዓት ከክፍሊት ኣገልግሎት መንግስቲ ንምዝማን ተስማዕሚዖም። ኦንላይን ስርዓት ክፍሊት እተን ትካላት ንምዝማን ብሓባር ንምስራሕ ዘኸእል ስምምዕነት ዝተስማዕምዑ እንትኾኑ፥…

ክላረንስ ሴዶርፍ ምስ ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመፅእ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተፃዋታይ ክፍሊ ምክልኻል ሃገራዊት ጋንታ ኔዘርላንድስ ክላረንስ ሴዶርፍ ምስ ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመፅእ ኢዩ። ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ፅባሕ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ካብ ቀትሪ ሰዓት 7 ጀሚሩ ብዝካየድ…

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓታት ሕብረት ኣውሮፓ እገዳ ጉዕዞ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ሩሲያ ከምዝተኣገዱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመራርሓታት ዝተነበረ እገዳ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምስ ዝወሰደቶ ወታደራዊ ስጉምቲ ተተሓሒዙ ብምዕራባውያን ንዝተነበረላ ማዕቐብ…

ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብ ሶማሊያ ሓዱሽ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ንኽዋፈር ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሶማሊያ ሓዱሽ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ንኽዋፈር ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ። እቲ ውሳነ ፀዲቑ ዘሎ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ (ኣሚሶም) ኣብ ሶማሊያ እዋን ግቡኡ ትማሊ ምዝዛሙ…

ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ንኽጠናኸር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ሰላምን ድሕንነትን ዝምጥን እዋናዊ ዓቕሚ ክህልዎ ከምዝግባእ ተገሊፁ። ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ፌዴሬኢን ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኢታማዡር ሹማት ሓይሊታት ጦር ምብራቕ ኣፍሪካን ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ…

መበል 15 ሲምፖዚየም ባህሊ፣ ታሪኽን ቋንቋን ስልጤ ኣብ ከተማ ወራቤ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)መበል 15 ሲምፖዚየም ባህሊ፣ ታሪኽን ቋንቋን ስልጤ ኣብ ከተማ ወራቤ ይካየድ ኣሎ። ካብቲ ሲምፖዚየም ብተወሳኺ ሕቶ መንነት ዝተመለሰሉ መበል 21 ዓመት እናተኸበረ ይርከብ፡፡ እቲ ሲምፖዚየም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ወይዘሮ ፋጤ…

397 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)397 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ኣቲዮም። ሎሚ መዓልቲ 1 ሺሕን 831 ኣብ ኣቢያተ ማእሰርቲን መፅንሒ ቦታን ሃገረ ስዑድ ዓረብ ሳኡዲ ዝነበሩ ዜጋታት ናብ ኢትዮጵያ ከኣትዉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ። እቶም ተመለስቲ ኣብ ስዑድ…

ኣሳታፋይነት እቲ ብሄራዊ ምኽክር ዝዕወት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብቕንዕናን ብበዓልዋናነትን ነቲ ከይዲ ክድግፍ እንትኽል ምዃኑ ቀ/ሚ ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሳታፋይነት እቲ ብሄራዊ ምኽክር ክዕወት ዝኽእል ኩሉ ኢትዮጵያዊ ነቲ ከይዲ ብቕንዕናን ብበዓልዋናነትን ክድግፍ እንትኽል ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ…