Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2022

ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ 300 ሺኸሕ ብር ሽልማት ተበርኪቱላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ ካብ ጋንታ ኢትዮ ኤሌክትሪክ 300 ሺኸሕ ብር ሽልማት ተበርኪቱላ። ጋንታ ስፖርት ኢትዮ ኤሌክትሪክ÷ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ስፖርተኛታት መበረታትዒ ሽልማት ኣበርኪቱ። ኣብ ሆቴል ስካይ…

ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ልዕሊ 219 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ልዕሊ 219 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ዓይነት ገይሩ። ኣካቢ ኮሚቴ ምትእኽኻብ ሓገዝ ክልል ደቡብ ኣይ ስንታየሁ ወልደሚካኤል፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝኸፈቶ ኲናት ንምምካት መስዋእቲ…

ፀላእትና ዓሪፎም ዝቕመጡ ብኹሉ ዓውዲ ኣብ ብቕዓት ምርካብናን ክስዕሩና ከምዘይኽእሉ እንትፈልጡን ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀላእትና ዓሪፎም ዝቕመጡ ብኹሉ ዓውዲ ኣብ ብቕዓት ከምንርከብ እንርድኡ፣ ብናውቲን ቴክኖሎጂን በሊፆም ክስዕሩና ከምዘይኽእሉ እንትፈልጡ ጥራሕ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣጅመድ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒትር ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ጦርን…

ናይ ዌልስ ልኡል ቻርለስ ንጉስ እንግሊዝ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ዌልስ ልኡል ቻርለስ ንጉስ እንግሊዝ ኮይኖም። እቶም ልኡል ሕልፈት ንግስቲ ኤልሳቤጥ 2ይቲ ስዒቡ መበል 40 ንጉስ እንግሊዝ ከምዝኾኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ። ከይዲ ንግስና እታ ሃገር ምስተሳለጠ እቶም ልል ብዕሊ ንግስነኦም ተቐቢሎም መደረ ከስምዑ…

መንግስቲ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ንኢትዮጵያ ኣምኪቶም ዘውፅኡዎ መግለፂ ቅሬትኡ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ንኢትዮጵያ ኣምኪቶም ዘውፅኡዎ መግለፂ ዝተሰመዖ ቅርታ ገሊፁ። ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ እቲ ኮሚሽን ህወሓት ንስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ብምጥሓስ ብዛዕባ ዝፈፀሞ ጎነፅ…

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘምፀአን ኣውቶቡሳት የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘምፀአን ሓደሽቲን ዘበናዊን ኣውቶቡሳት ኣብ መስቀል ኣደባባይ የመርቕ ኣሎ። ሎሚ መዓልቲ እናተኸበረ ዝርከብ መዓልቲ ኣገልጋላይነት ምኅንያት ብምግባር እተን ኣውቶብሳት ናብ ስራሕ ንምእታው ተሓሲቡ ኢዩ እቲ ስነ-ስርዓት…

ቀ/ሚ ኣቢይ ብሕልፈት እንግሊዛዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብሕልፈት እንግሊዛዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ፥ ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞ ከምዝተፈለያ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ…

መዓልቲ ኣገልጋላየነት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መዓልቲ ኣገልጋላየነት ኣብ መላእ ሃገር ሰናይ ተግባራት ብምስራሕ ይኽበር ኣሎ። እቲ መዓልቲ ምኽንያ ብምግባ፥ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ሚኒስትራት ስራሕን ክእለትን፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ቱሪዝምን “ኣገልጋላይነት ካብይ ይጅምር” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ…

ክልል ኦሮሚያ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 101 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኦሮሚያ ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 101 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ። እቲ ደገፍ ብሓላፊት ቢሮ እቶት እቲ ክልል ወይዘሮ መስከረም ደበበ ኣቢሉ ንሚኒስትር ዴኤታ መከላከያ ማርታ ሉዊጂ ተረኪቡ።…

 “ኣብ ጎኒ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተሰለፋ መራኸብቲ ሓፋሽ ነቲ ጎንፂ የጋድድኡ ኣለዋ” – ኣልስተር ቶምሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ጎኒ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተሰለፋ ዝተወሰና ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝቐፀለ  ጎንፂ የጋድድኡ ኣለዋ ክብል ኒውዝላንዳዊ ጋዜጠኛን ተንታኒ ጂኦፖለቲካን ኣልስተር ቶምሰን ገሊፁ። እተን መራኸብቲ ሓፋሽ ንግብረ ራዕዲ…