Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2021

ጎንፂታት ኣብ ዘለዉሎም ዩኒቨርሲቲታት እናምሀሩ ዝነበሩ መምህራን ንኽምዝገቡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ኣኽሱም፣ ራያን ወልድያን እናምሀሩ ዝነበሩ መምህራን ናብ ካልኦት ዩኒቨርሲቲታት ብግዚያነት ምምዳብ ንኽከኣል ንኽምዝገቡ ሚኒስቴር ትንህርቲ ፀዊዑ። ብምዃኑ ኣብተን ዩኒቨርሲቲታት እናምሀሩ ዝነበሩ መምህራን ኩሎም…

ሕብረተሰብ ብቃልሲ ህዝቢ ዝተረኸበ ለውጢ ንምቕልባስ ብህወሓት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ክምክቶ ይግባእ – ቢሮ ፀፅታን ሰላምን ክልል ኦሮሚያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ብቃልሲ ህዝቢ ዝተረኸበ ለውጢ ንምቕልባስ ብህወሓት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ተዋዲዱ ክምክቶ ከምዝግባእ ቢሮ ፀፅታን ሰላምን ክልል ኦሮሚያ ፀዊዑ። ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሻፊ ሑሴን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ…

ካብ ጎንደር ናብ ግምባር ንዘምቱኣካላት ፀፅታ ምፍናው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሰላም፣ ሚሊሻታትን ፋኖታትን ሎሚ መዓልቲ ናብ ግምባር ዘሚቶም። ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ዘውዱ ማለደ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝመረፆ ህዝባዊ ኲናት ንምምካት ኩሉ ነባሪ እታ ከተማ ብሓድነት ንኽዳሎ ኣተሓሳሲቦም።…

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ተሓሲቡ ክውዕል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ተግባር ክሕደትን መጥቃዕቲን ዝቕፅል 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ተሓሲቡ ክውዕል ኢዩ ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ከበደ ዴሲሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ…

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወራር ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ብህፁፅ ይውፃእ – ተወለድቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወራር ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ብህፁፅ ለቒቑ ንኽወፅ ኣብ ክልል ዓፋር ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ሓቲቶም። ኣብ ከተማታት ሰመራን ሎጊያን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ ኲናት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ…

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መበል 11 ክልል ብምዃን ንክውደብ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፤ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መበል 11 ክልል ብምዃን ንክውደብ ወሲኑ። እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል ሻድሻይ ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ዓመት ጊዘ ስራሕ ቀዳማይ ህፁፅ ኣኼባ፥ ህዝበ ውሳነ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መርሚሩ ኣፅዲቑ።…

ደሴ ንምሓዝ ተሃንዲዱ ዝመፅአ ወራሪ ሓይሊ ብምምካት ዘኹርዕ ተጋድሎ ይፍፀም ኣሎ- ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ) ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ  ኣብ እዋናዊ ሀገራዊ ኩነታትብምድሃብ መግለፂ ሂቡ። ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር እናተመርሐ ወራሪ ጉጅለ ራዕዲን ዘሰለፎ መንጋን እናመከተ ዝርከብ መላእ ሓይሊ…

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከባቢ መሳለሚያ እህል በረንዳ ሓደጋ ሓዊ ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከባቢ መሳለሚያ እህል በረንዳ፣ ህንፃ ኣማኑኤል ፀጋ ኣብ ሓደጋ ሓዊ ኣጋጢሙ። እቲ ሓደጋ ሓዊ ንምቁፅፃርን ነብ ካልኦት ንኸይጋፋሕን፥ ሰብ ሞያ ምቁፅፃር ሓደጋ ሓዊ፣ ኣባላት ፖሊስን መናእሰይ እቲ ከባቢን ይረባረቡ ኣለዉ።…

መንግስቲ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ኣገዋ ንምውፃእ ዝገብሮ ፃዕሪ ንከፅንዖ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ካብ ኣገዋ እትረኽቦ ረብሓ ንምስኣንን ከብ ኣባልነት ንምውፃእ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ዳግም  ንከፅንዖ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብዕላዊ ደብዳበ ሓቲቱ። ኢትዮጵያ ካብ ህዙሓት ዝማዕበላ ሃገራት ኣለም ለኸ  ኮርፖሬሽን…

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንክልተ ዓመት ዝኸውን ቀለብ ካብ ክልል ኣምሓራ ንምእካብ ተሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንክልተ ዓመት ዝኸውን ቀለብ ካብ ክልል ኣምሓራ ንምእካብ ተሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒክሽን መንግስቲ ገሊፁ። ኣገልግሎት ኮሚኒክሽን መንግስቲ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ንዝሓለፉ ተኸታተልቲ መዓልታት…