Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2021

ኣብ መረፃ ንምስታፍ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሰርሑ ከምዝኾኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ንምስታፍ ብዙሓት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሰርሑ ከምዝኾኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሊጦም። ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣመራርሓታት ፓርቲ ህዝባዊ ኣቢዮታዊ ኢትዮጵያ (ኢሃፓ)፣ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲያዊ…

ፓርክታት ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ሕርሻ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣቱ ፍርያት ናይ ምትካእ ሙሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎም ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክታት ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ሕርሻ ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ስራሕ እንትኣትዉ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣቱ ፍርያት ናይ ምትካእ ሙሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎም ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ እሸቴ ኣስፋው ገሊፆም። ሚኒስቴር ንግድን ኢንዱስትሪን…

ኣሜሪካ ንኩባ መሊሳ ኣብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ኣስፊራታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኩባ ንኮሚኒስት ሃገረ ቬነዝወላ ከም እትድግፍ ብምግላፅ ኣብ መዝገብ ዝርዝር ግብረ ራዕዲ ዝምውላ ሃገራት ዳግም ከም ዝሰፈረት ኣፍሊጣ። ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ንክወፅእ ውሑዳት መዓልታት ኣብ ዝተረፍኦ'ዩ…

ስዊድን ስራሕቲ ሪፎርም ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ምስ ኣምባሳደር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ሃንስ ሄንሪክ ሉንድኪስት ተዛቲየን። እተን ሚኒስትር፥ መንግስቲ ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን፣ ህንፀት ሰላመን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ…

ክልል ትግራይ መሊስካ ንምጥያሽ መርሃ ግብሪ ተሓንፂፁ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ም/ቀ/ሚኒስትር ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምዝዛሙ ስዒቡ ቅልጡፍ መርሃ ግብሪ መሊስካ ምጥያሽ ተሓንፂፁ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ተዛሪቦም። ኣብ ቀረባ እዋን ካብ…

ኣስከሬን ኣጊቱ ጉደታ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲኣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነሽ ኣበቤን ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ኣተሓባባሪ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣይተ ጃንጥራር አባይ ሓዊሱ ቤተሰባን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሐ መንግስቲን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ኣቀባብላ…

ኣብ መኣዲ ንሃገር ንምስታፍ ገንዘብ ኣታዊ ንዝገበሩን ዘፍለጡን ትካላት ሻውዓይ ዙር ምስጋና ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ) ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መኣዲ ንሃገር ንምስታፍ ገንዘብ ኣታዊ ብምግባር ብፅሒት ባንኪ ብምልኣኽ ንዘፍለጡ ትካላት ሻውዓይ ዙር ምስጋና ኣቕሪቡ። ብመሰረት እዚ፦ ትካል ኣገልግሎት ሎጅስቲክስ ባሕር ትራንስፖርት  ኢትዮጵያ - 30 ሚሊየን ብር…

ስነ ሰርዓት ቀብሪ ግንባር ማይፀብሪን ቅርቃርን ብምምራሕ ዓወት ዝሓፈሱ ኮሌኔል ኣለምነው ሞላ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ሰርዓት ቀብሪ ግንባር ማይፀብሪን ቅርቃርን ብምምራሕ ዓወት ዝሓፈሱ ምክትል ኣዛዚ መበል 33 ክፍለ ሰራዊት ኮሌኔል ኣለምነው ሞላ ተፈፂሙ። ኣብ ታሪኽ ህይወቶም ከምዝተገለፀ፥ ግንባር ማይፀብሪ ብምምራሕን እቲ ከባቢ ካብ ጁንታ ነፃ ብምግባርን ወፍሪ…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 300 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 599 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 300 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 128 ሺሕን 616…

ንኣመራርሓ ዞባ መተከል ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ  ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ክልልን  ዞባ መተከል ንኣመራርሓ  ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ  ይወሃብ ኣሎ። ዓለም ለኻዊ፣ አህጉራዊ፣ ሀገራዊን ክልላዊን ትሕዝቶ ዘለዎን ብቪዲዮ ተቐሪፁ ዝቐረበ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድ እውን ነቶም ሰልጠንቲ…