Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2021

ዳግማይ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኣይንምርከኽን ዝብል ድምፂ ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ – ኣግልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካን ካልኦት ክፍለዓለማትን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ምባሎምን “ዳግማይ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኣይንምርከኽን” ዝብል ድምፂ ኢትዮጵያ ተቐባልነት እናረኸበ ከምዝኾነ ኣግልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሚኒስተር…

ንግብረ ራዕዳውያን ቐቢርና ጥንኩር ምህዳር ዲሞክራሲ ክንሃንፅ ኢና – ኣይተ ከድር ጃዋር

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)”ግብረ ራዕዲ ህውሓትን መሻርክቶምን ካብ ሱሮም ነቂልና ኣብ ኢትዮጵያ ጥንኩር ምህዳር ዲሞክራሲ ክንሃንፅ ኢና” ክብሉ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ከድር ጃዋር ገሊፆም፡፡ ኣይተ ከድር ጃዋር ሓድሽ ንዝተመስረተ ህዝቢታት ክልል ደቡብ ምዕራብ…

ኣብ ከተማ ጅማ ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኩናትን 14 ሽሕ ናይ ሓሶት ኖታት ብርን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጅማ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኩናት ሓዊሱ 14 ሽሕ ናይ ሓሶት ኖታት ብር ከምዝተተሓዙ ዋና ዳይሬክተር መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ፉፋ መገርሳ ኣፍሊጦም፡፡ ኮማንደር ፉፋ መገርሳ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ÷ ፀጥታ…

ኢትዮጵያ ሐዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ፈተና ኣብ ታሪካ ካብ ዝገመምዋ ዝተፈለየ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣዲስ ኣበባን ቢሮ ፀጥታን ሰላምን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ዘቲዮም፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኢትዮጵያ ሐዚ ዘላቶ ኩነታት ብዝምልከት መበገሲ ሓሳብ ብምክትል ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ሰላምን ምምሕዳር ከተማ…

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ናብ ምንቅስቓስ #የኣክል ተፀምቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዌንቢን ናብ ምንቅስቓስ #የኣክል ተፀምቢሮም። እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ናብቲ ወፍሪ ከምዝተፀምበሩ ኣፍሊጦም፡፡ “ብሽም ዴሞክራሲ ክንደይ ገበን…

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ደብረ ብርሃን ኮማንደር ታዬ ሃብተጊዮርጊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዊዒሎም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)'ስግኣት ድሕንነት እዮም' ተባሂሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዊዒሎም ዝነበሩ ሰባት ካብ ማእሰርቲ ብምፍታሕ ዝተጠርጠሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ደብረ ብርሃን ኮማንደር ታዬ ሃብተጊዮርጊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዊዒሎም፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን…

ዕላማ ሃገር ምፍራስ ዝሓዙ ግብረ ራዕዳውያን ይገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ንምፍሻል ምስራሕ ይግባእ – ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን  

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕላማ ሃገር ምፍራስ ዝሓዙ ግብረ ራዕዳውያን ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ምስ መሻርኽቶም ብምኻን ይገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ንምፍሽል ብጥንኩር ሓድነት ምስራሕ ከምዝግባእ ጉዳያት ወፃኢ ሚኒስቴር ዴኤታ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ተዛሪቦም፡፡ እቶም ሚኒስቴር…

ናይ ወገን ጦር ናብ ልዑል ወፍሪ ምጥቃዕ ኣቲዩ ኣሎ – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልቲታት ኣብ ዝተኻየዱ ፍሉያት ወፍሪታት 12  ኣመራርሓታት ኣርሚን ኮርን ፀላኢ ተደምሲሶም። መግለፂ ሂቦም፡፡ ፍልጠት ኣመራርሓን ቴክኖሎጂን ብምጥቃም መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ግምባር ባቲ…

ህዝቢ ኣርሲ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 400 ሰንጋታት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ዞባ ኣርሲ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 400 ሰንጋ ኣብዑር ሓገዝ ገይሩ። ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ሙሳ ፉሮ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ህዝቢ እቲ ዞባ ዝገበሮ ሓገዝ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ልዕሊ ሃገር ዝኾነ ነገር…

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ኣባላት ኮሚቴ ፈፀምቲ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ናብ ግምባር ንምዝማት ወሲኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ግምባር ዘቕንዑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዘቕረቡዎ ፃውዒት መሰረት ብምግባር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ኣባላት ኮሚቴ ፈፀምቲ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ናብ ግምባር ንምዝማት ወሲኖም። ሓሙሽተ ኣባላት…