Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2021

ኩባኒያ ምብሮ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዕጥቂ ንምቕራብ ዘኽእሎ ስምምዕነት ኣናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባኒያ መፍረዪ ዕጥቂ ስፖርት ምብሮ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዕጥቂ ንምቕራብ ዘኽእሎ ስምምዕነት ንኣርባዕተ ዓመት ኣናዊሑ። እቲ ኩባኒያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ጀሚሩ ምስ ፎዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ዕላዊ ስፖንሰር ቴክኒካል ብምዃን…

ንዕዉት ስራሕ ግድብናን ሉኣላውነት ሃገርናን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ተሓባቢርና ንንቀሳቐሰሉ ታሪኻዊ እዋን ኢና ንርከብ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ህንፀት ዓበዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተጀመረሉ 10ይ ዓመት በዓል ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡ ኣብ መልእኽቶም ድማ “ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ውጥን…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጄሪያ “ብሉፅ መገዲ ኣየር” ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጄሪያ “ብሉፅ መገዲ ኣየር” ተባሂሉ። ኣብ መዛዘሚ ኤክስፖ ብሉፃት ናይጀሪያ ንትካላት ኣብ ዝተውሃበ ኣፍልጦ፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሉፅ መገዲ ኣየር ብዝብል ዓለም ለኸ ሽልማት ተዓዋቲ ኮይኑ። መካየዲት ስራሕ መሸጣን…

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ምዕራብ ወለጋን መተከልን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኮኒኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ወለጋን ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከልን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኮኒኑ። እቲ ኤምባሲ ንስድራ ጉዱኣትን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ፡፡ እቲ ግፍዒ ብምቅዋም ኣብ ጎኒ…

ኣብ ዘሓለፉ 5 ዓመታት ንኢትዮጵያ 2 ቢሊየን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገበረ ዩ.ኤስ.ኤይድ ገሊፁ

ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ (ዩ ኤስ ኤይድ) ኣብ ዘሓለፉ 5 ዓመታት ንኢትዮጵያ 2 ቢሊየን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገበረ ገሊፁ፡፡ እቲ ትካል ዝገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዝተወሰነ ዘይኮነስ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ብድርቂ፣ ጎንፂ፣ ለበዳ ዕስለ ኣምበጣ፣ ሓደጋ ውሕጅን…

3ይ ዓመት በዓለ ሲመት ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)3ይ ዓመት በዓለ ሲመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ይኽበር ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ፌዴራልን፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣባ ገዳታት ከምኡ እውን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላት…

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዋልያታት 5 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር መበረታትዒ ሽልማት ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ መበል 33 ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝሓለፈ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ንዋልያታት) 5 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር መበረታትዒ ሽልማት ኣበርኪቱ። እቲ ምምሕዳር ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ብሓድነት ተደሚሮም…

ኢትዮጵያ ሃፍታ ናይ ምልማዕ ሙሉእ መሰል ኣለዋ – ሚኒስትር ሃፍቲ ማይን መስኖን ደቡብ ሱዳን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል ምስ ሚኒስትር ሃፍቲ ማይን መስኖን ደቡብ ሱዳን ማናዋ ፒተር ጋትኩት ተዛቲዮም። ኣምባሳደር ነቢል ኣብ ዘተኦም ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጥንኩር ምሕዝነት ዘለወን ከምዝኾና ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ…

ኣብ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ተሳትፎ ሲቪል ማሕበረሰብ ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዝደንት ሳህለ ወርቅ ዘዉዴ ኣብ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ወርሒ ደቂ ኣንስቲዮ ኣኼባ ተረኺበን ደቂ ኣንስትዮ ዘለዉወን ማሕለኻታትን መፍትሒ ሓሳባትን ኣመልኪተን ተዛቲየን። ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሑ ሲቪል ማሕበራትን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ…

ኣብዚ ሰሙን ካብ ሞንጎ ዝምርመሩ ሰባት መጠን ምትሓዝ ቫይረስ ኮሮና ናይ ብማእኸላይ 25 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጥዕናን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ለበዳ ኮቪድ-19  ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣድሂቦም ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም። ኣብ መግለፂኦም ድማ ህዝቢ ካብቲ ሓያል ለበዳ ንምድሓን ሓበራዊ ሓላፍነት የድሊ ክብሉ…