Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2021

ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ንቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ እነኳ ኣሕጎሰኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ብምምራፆም መልእኽቲ እነኳ ኣሕጎሰኩም ኣመሓላሊፎም። ፍልፍል፦ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅና…

ብኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ወረዳ ዱግዳ ብክላስተር ኣብ ዝፈሪ ፍረ ፓፓዬ ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ብኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ወረዳ ዱግዳ ኣብ 10 ሄክታር መሬት ብክላስተር ኣብ ዝፈሪ ፍረ ፓፓዬ ዑደት ብምግባር ንሓረስቶት ኣበረታቲዑ። ከም ክልል ኦሮሚያ ኣብ 1 ሺሕን 200 ሄክታር መሬት ፍርያት…

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት አትዮጵያ ኣብ ከተማ ሱሉልታ ንዝነብራ ዘኽታማት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት አትዮጵያ ኣብ ከተማ ሱሉልታ ንዝነብራ ዘኽታማት ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ገይሩ። ላዕለዋይ ፀሓፊ እቲ ጉባኤ ቀሲስ ታጋይ ታደለ፥ ኣብ ከተማ ሱሉልታ ተረኺቦም እቲ ሓገዝ ኣረኪቦም። እቲ ጉባኤ ዝገበሮ ሓገዝ ምስ ቤተ ክርስቲያን…

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዋሊያታታት ፅባሕ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም  ምስ ደቡብ ኣፍሪካ ክትፃወት ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዋሊያታታት ፅባሕ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም  ምስ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪካ ሳልሳይ ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ። ናብ ውድድር ፅዋዕ ዓለም 2022 ኳታር ንምሕላፍ ኢትዮጵያ ምስ ጋና፣ ዚምባብዌን ደቡብ ኣፍሪካን…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፀብፃብ ሲኤንኤን ናይ ሕሶት ፀብፃብ ኢዩ ክብል ተቓዊሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፅዋራት ኣጓዓዒዙ ዝብል ብሲኤንኤን ፀብፃብ ናይ ሕሶት ፀብፃብ ከምዝኾነ ዝቃወም መግለፂ እቲ ትካል ኣውፂኡ። ኣብ መግለፂኡ ድማ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኣባል ኣይኤቲኤንን ስታር ኣሊያንስን ብምዃን ንኣፍሪካን ዝተረፋ…

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ልዕሊ 600 ሺሕ ዜጋታት ንጉድኣት ተቓሊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ወርሒ ጉምበት ጀሚሩ እናተስፋሕፈሐ ብዝመፅአ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ብውሑዱ 623 ሺሕ ዜጋታት ንጉድኣት ከምዝተቓልዑ ተገሊፁ። በቲ ሓደጋ ብዙሓት ሰባት መረበቶም ሓዲጎም እናሃደሙ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡ ኣብታ ሃገር ዝወቕ…

ኢትዮጵያ ዝገጠሙዋ ፈተናታት ንምስጋር ኣባላት እቲ ሓዱሽ ካቢኔ ብልዑል ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግባእ – ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢን ወፃኢን ዝገጠሙዋ ፈተናታት ንምስጋር ኣባላት እቲ ሓዱሽ ካቢኔ ብልዑል ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ከምዝግባእ ሙሁራን ኣገንዚቦም። ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝነበሮም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ተመራማሪ…

ብኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ወረዳ ኣደኣ ዝተዘርአ ግራውቲ ኩታ ገጠም ጣፍ ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ መምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ወረዳ ኣደኣ ዝተዘርአ ግራውቲ ኩታ ገጠም ጣፍ ጎብኒዮም። ኩታ ገጠም ሕርሻ መፍረያይነት ሓረስታይ ኣብ ምድንፋዕ ውፅኢት ምምፃእ ከምዝጀመረ እቶም ርእሰ ምምሕዳር። 193…

ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት መውሃቢ መራኸቢታት ብዲጂታል ካርታ ጎግል ናየ ምምዝጋብ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ምስ ጎግልን "ኣፍሪካ 118" ምስ ዝተብሃለ ትካላን ብምትሕብባር መራኸቢ ቦታ ኣብ ጎግል ንምምዝጋብ ዘኽእል ስልጠና ንሰብሞያ ትካላት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ክልላት እናሃበ ይርከብ። እቲ…

መንግስቲ ዝሓዞ ትልሚ ንኸዕውት ብፅሒትና ክናዋፃእ ኢና – ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዝተጣየሸ መንግስቲ እዛ ሃገር ካብ ዘጋጠማ ሕልኽላኽ ፀገም ኣናጊፉ ተስፋ ዝተነበረሉ ጉዕዞ ምዕባለ ንኽገብር ኣብ ጎኑ ብምዃን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ንምግባር ከምዝተዳለወ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ፕሬዚዳንት…