Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ሽመታት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ዝቐረቡሉ ዝተፈላለዩ ሽመታት ኣፅዲቑ። ብመሰረት እዚ፦ 1ኛ. ኣይተ ጥራቱ በየነ - ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ መካየዲ ስራሕ ከተማ 2ኛ. ዶክተር መስከረም ፈለቀ…

ለሚ ኩራ መበል 11 ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኽትከውን ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ለሚ ኩራ መበል 11 ክፍለ ከተማ ብምዃን ንኽትጣየሽ ብቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሲኑ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ውዕሉኡ፥ ክፍለከተማታትን ወረዳታትን ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛቲዩ ውሳነ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 90 ሺሕ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 90 ሺሕ ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ትማሊ ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 602 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 630 ሰባት ከምዝተረኸቡ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ…

ኣብ ዝተሃነፁ ሓደሽቲ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ዝተዘርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ዝሰረቑ ተጠርጠርቲ ኢድ ብኢድ ከምዝሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተሃነፁ ሓደሽቲ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ዝተዘርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ዝሰረቑ ሰለስተ ተጠርጠርቲ ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ምርመራ እናተገበረሎም ምዃኑ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣፍሊጡ። ሰለስቲኦም ተጠርጠርቲ እቲ ገበን ክፍፅሙዎ ዝኸኣሉ፥…

ዓለም ለኸ ጉባኤ ትምህርቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ትምህርቲ ይሳተፉ ኣለዉ። እቲ ጉባኤ፥ ብምትሕብባር ሃገራት ጋና፣ ኖርዌይን እንግሊዝን ከምኡ እውን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማእኸል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ)…

ኣብ ከተማ ኣዳማ ህንፃ ፈሪሱ ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዳማ ህንፃ ፈሪሱ ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ምሕላፉ ፖሊስ ኣፍሊጡ። በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ መምርሒ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ኣዳማ ኢንስፔክተር ወርቅነሽ ገልሜቻ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ ኣብታ ከተማ ክፍለ ከተማ…

ዝተፈላለያ ትካላት ንመኣዲ ንሃገር ዝኸውን ደገፍ ይገብራ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኮይሻ፣ ጎርጎራን ወንጪን ብሓባር ንምልማዕ ንዘቕረብዎ ፃውዒት ብምቕባል ዝተፈላለያ ትካላት ድጋፍ ገንዘብ ይገብራ ኣለዋ። ብመሰረት እዚ ኣብ ሳልሳይ ዙር ደገፍ መኣዲ ንሃገር ሸውዓተ ትካላት ድጋፍ ገይረን…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ካብ ሞንጎ ዝተሓዙ ሰባት እቶም 15 ሚኢታዊ ዝኾኑ ናብ ማእኸል ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ከምዝኣትዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ካብ ሞንጎ ዝተሓዙ ሰባት እቶም 14 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ናብ ማእኸል ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ከምዝኣትዉ ተገሊፁ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ዝርከበሉ ኩነታትን ካብ መበገሲኡ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣወሃህባ ግብረመልሲን…

ቀዳማይ ዙር ውድድር ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ብዝካየዱ ግጥማት ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ዙር ውድድር ኩዕሾ እግሪ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ብዝካየዱ ግጥማት ክጅመር ኢዩ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ፀወታታት ካብ ምድብ ሓሙሽተ ክሳብ ምድብ ሸሞንተ ዘለዋ ጋንታታት ካብ 1 ሰዓትን 55 ደቒቕን ጀሚሚረን ውድድረን…

ኣብዛ ሃገር ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰልን ግደ ትካላትን ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዛ ሃገር ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰልን ግደ ትካላትን ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ፥ ብጉባኤ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዝተሰናድአ አንትኸውን፥ ፓርቲታት ፖለቲካን መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብቲ ዘተ ይሳተፉ ከምዘለዉ…