Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ  ፌዴሪኢ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ብምዃን ተሸይሞም። እቶም ኣምባሳደር ካብ 17 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሮም ከምዝተሾሙ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ፍሉይ ልኡኽ ፌዴሪኢን…

ጉባኤና ነቲ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ዘሐይልን እዋናዊ ፀገምና ንምፍታሕ ልዑል ተራ ዘለዎ ውሳነታት ክንውስንን ዓብዪ እምነት ኣለኒ-ዶክተር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ህፁፅ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ኣብ ኣዳራሽ ሓውልቲ ሰማእታት ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ፥ ካብ ሎሚ ዕለት 25 ክሳብ 26 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ክፀንሕ ኢዩ። “ጉባኤ…

ሓረስቶት ዝኣከቡዎ ምህርቲ ካብ ካብ ብኽነት ዓቂቦም ኽኽዝኑ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ግብርና ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓረስቶት ዝኣከቡዎ ምህርቲ ካብ ካብ ብኽነት ዓቂቦም ኽኽዝኑ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣተሓሳሲቡ። ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ኣይተ ሳኒ ረዲ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኣብ እዋን ዘመነ ምህርቲ 2011/12 ዓ.ም…

ህፁፅ ጉባኤ ህወሓት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ህፁፅ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ፅባሕ ዕለት 25 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳለጥ ኢዩ። እቲ “ጉባኤ ፅንዓትን መኸተን” ብዝብል መሪሕ ቓል ኣብ ከተማ መቐለ ዝካይድ ጉባኤ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊን ክልላዊን ዛዕባታት…

ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ዘህነፆ መኽዚን መዝሐሊ መድሓኒት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ዘህነፆ ሰንሰለት መኽዚን መዝሐሊ መድሓኒት ኣመሪቑ። እቲ ዝተመረቐ መኽዚን መዝሐሊ መድሓኒት ሰለስተ ክፍሊታት መዝሐሊ ዘለዉዎ እንትኸውን፥ ሕድሕዶም 300 ኪዩብ ሜትሮ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣለዎም ተባሂሉ። እቶም…

ኣብ ወርሒ ጥሪ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ብዝነበሮ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወርሒ ጥሪ መሸጢ ችርቻሮ ምህርቲ ነዳዲ ብዝነበሮ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትርን ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር ናብ ጣቢያና ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፥ ካብ ምህርቲ ነዳዲ ኣውሮፕላን ወፃኢ ናይ ካኦት ምህርቲታት ነዳዲ መሸጢ ዋጋ ብዘለዎ ክቕፅል…

ኢትዮጵያ ብውሕጅ ንዝተጎድኡ ሶማሊያውያን ሕገዝ መድሓኒት ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ብውሕጅ ንዝተጎድኡ ሶማሊያውያን ሕገዝ መድሓኒት ገይራ። ኢትዮጵያ ኣብ ዛሓለፈ ሰሙን ኣብ ሶማሊያ ክልል ሂር ሸባሌ ከባቢ በለደወይን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ሶማሊያውያን ኢያ ህፁፅ ርዳእታ ዝህቡ ሓኻይምን ሓገዝ 10 ቶን…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ታንጀብል ሆፕ ፋውንዴሽ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ መስራቲትን ዋና ፈፃሚት ስራሕን ታንጀብል ሆፕ ፋውንዴሽ ሊሊ ዮሴፍ ተዛትየን። ተግባር እቲ ፋውንዴሽን ጠጠው ንዝበለሉ ዕላማ ቁርፀኛ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ፅቡቕ ውፅኢት ከምዘምፅእ እውን እተን ፕሬዚዳንት…

ኢትዮጵያውያን ኢንተርናሽናን ዳያኑ ዘመነ ውድድር 2020 ናይ ፊፋ ባጅ ተዋሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዘመነ ውድድር ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ፀወታታት ዝመርሑ ኢትዮጵያውያን፥ ናይ ፊፋ ባጅ ከምዝተውሃቦም ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ)፥ ዝተሰናድአሎም ፈተና ብቕዓት…

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ን2 ሺሕን 135 ተሃነፅቲ ብይቕሬታ ንክወፅኡ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ን2 ሺሕን 135 ተሃነፅቲ ብይቕሬታ ክወፅኡ ወሲኑ። እቶም ተሃነፅቲ ኣብ ቤት ህንፀት ኣበ ዝነበሮም ፃንሒት ብዘርኣይዎ እወንታዊ ስነ ምግባር መሰረት ይቕሬታ ከምዝተገበረሎም ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።…