Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ንዕዱማት ኣጋይስ ዝተናድአ ርብራብ ተደርሚሱ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰባት ቀሊልን ከቢድን ሓደጋ ኣጋጢሙዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ንዕዱማት ኣጋይስ ዝተናድአ ርብራብ ተደርሚሱ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰባት ቀሊልን ከቢድን ሓደጋ ከምዘጋጠሞም መምርሒ ድሕንነትን ሰላምን ህዝቢ ምምሕዳ ከተማ ጎንደር ገሊፁ። እቲ ሓደጋ፥ ንኣጋይሽ መቐመጢ ተባሂሉ…

ህዝቢ ትግራይ ንዘጋጥምዎ በደላትን ግፍዕታትን ብምቅላሱ በዓል ሃፍታም ባህሊ፣ቋንቋ፣ ስልጣነን ነዊሕ ታሪኽን ኮይኑ እዩ – ዶክተር ደብረፅዮን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2012 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ በብእዋኑ ንዘጋጥምዎ በደላትን ግፍዕታትን በዲሁ ብምቅላሱ መንነቱ ዓቂቡ በዓል ሃፍታም ባህሊ፣ቋንቋ ስልጣነን ነዊሕ ታሪኽን ክኸውን ምኽኣሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም። በዓል ጥምቀት ኣብ…

ብዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብኣመንቲ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብኣመንቲ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ብብርኪ ክልል ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ማይጨው ብድምቀት ተኸቢሩ። ብዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብድምቀት ዝተኸበረ…

ኣብ ታሽዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ንሰበታ ከተማ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ታሽዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ቀፂሉ ውዒሉ። ኣብ መይዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ንጋንታ ሰበታ ከተማ ዘተኣናገደት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ክልተ ንሓደ ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ መሪሕነታ…

ኣብ ትግራይ ሓንቲ ውልቀ ሰብ ልዕሊ ብር 12 ሚሊየን ወፃኢ ብምግባር ዘህነፀኦ ጣቢያ ጥዕና ንሕብረተሰብ ኣረኪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ሓንቲ ገባሪት ሰናይ ውልቀ ሰብ ብር 12 ነጥቢ 6 ሚሊየን ወፃኢ ብምግባር ዘህነፀኦ ጣቢያ ጥዕና ሎሚ መዓልቲ ንሕብረተሰብ ኣረኪበን። ነባርነተን ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝኾና ወይዘሮ ሄለን ወረደ ዝተብሃላ ገባሪት…

ስነ ስርዓት ምሃብ ሽመት ልዑል መዓርግ ዋታደራዊ መኮንናት ተካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ስርዓት ምሃብ ሽመት ልዑል መዓርግ ዋታደራዊ መኮንናት ሎሚ መዓልቲ ተካይዱ። ብቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ኣዛዚ ጦር ሰራዊት ምክልኻልን ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቕራቢነት ብፕዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኢዩ እቲ ሽመት ክወሃብ ዝኸኣለ።…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣሳሊጦም። ኣብቲ ዑደት ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ፌዴሪኢ ጀነራል ኣደም መሓመድን ምክትል ኤታማዦር ሹም ብርሃኑ ጁላን…

ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እስልምናን ኣብ ጥምቀተ ባሕር ጃን ሜዳ ወፍሪ ፀሬት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እስልምናን ብሓባር ብምዃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥምቀተ ባሕር ጃን ሜዳ ወፍሪ ፀሬት ኣካይዶም። ኣብቲ “በዓል ጥምቀት ተፈታዊን ማራኺን ንግበሮ፣ ቦታታት መሕደሪ ታቦት ነፀሪ” ብዝብሉ መሪሕ ቓላት ዝተኸየደ ወፍሪ…

ልዕሊ 45 ሚልዮን ሰባት ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ተቓሊዖም – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ምውዛዕ ኣየር ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ልዕሊ 45 ሚልዮን ሰባት ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከም ዝተቓልዑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ። ትሑት መጠን ዕቤት ቁጠባ እተን ሃገራት፣ ልዑል ወሰኽ ቑፅሪ በዝሒ ህዝቢ፣ ሓደጋ ድርቅን ውሕጅን…

ኣብ ረቂቕ መምርሒ ኣሰራርሓን ስነ-ምግባርን መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኣፀባፅባ መረፃ ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ ብሄራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ንመፈፀሚ መረፃ ኣብ ዘሰናድኦ ረቂቕ መምርሒ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዛትዩ። እቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተዘተየሎም ረቀቕቲ መምርሒታት፥ ረቂቕ መምርሒ ኣሰራርሓን ስነ-ምግባርን መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኣፀባፅባ መረፃ፤…