Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ሕድሪ ተረከብትን ደቂ ተጋደልትን መናእሰይ ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ብዓል11 ለካቲት ኣብ ደጀና ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕድሪ ተረከብትን ደቂ ተጋደልትን መናእሰይ ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምጅማር ብርታዊ ቃልሲ ህውሓት 11 ለካቲት ካብ ከተማ ዓዲ ረመፅ ናብ ደጀና ብእግሪ ብምጓዓዝ ታሪኻዊ መዋፈሪ በዓቲ እንዳባ ውሻው ተዓዚቦም። ጀነሪል ሳሞራ የኑስ ኣብ…

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉባዔ ኢኮኖሚ ንምስታፍ ናብ ዳቮስ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉባዔ ኢኮኖሚ ንምስታፍ ናብ ስዊዘርላንድ፣ ዳቮስ ኣምሪሖም። ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝምራሑ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ኣብ…

ኣብ መላእ ትግራይ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ብሰላም ምሕላፉ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ትግራይ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ብሰላም ምሕላፉ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ገሊፁ። እቲ ቢሮ፥ እቲ በዓል ብሰላም ንኸሓልፍ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም ክፋላት ሕብረተሰብ ምስጋና ኣቕሪቡ። “ከምቲ ወትሩ ሎሚ እውን ኣብ…

ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣብ ዘካየዶ መበል 209 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥ ኣብ ረቂቕ ደምቢ ስራሕቲ መኣድን ብዝርዝር ብምዝታይ ውሳነ ምሕላፉ ካብ ቤት ፅሕፈት…

ኢትዮጵያ ብዓውዲ ሲቪል ኣቪዬሽን ካብ ግዘ ናብ ግዘ ምምሕያሽ እናርአየት ምምፃኣ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ብገምጋም ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ካብ ግዘ ናብ ግዘ ምምሕያሽ እናርአየት ምምፃኣ ተገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርት ወይዘሮ ህይወት ሞሲሳ፥ ንድሕንነት ኦዲት ካብ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ምስ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ተዛትየን።…

እኹል ውሕስና ምግቢ ዘይምህላው ኣብ ዘይእዋን ናይ ሙሟት ዕድል ይውስኽ – መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣12 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)እኹል ውሕስና ምግቢ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ዘይዋኑ ንዝፍጠር ሞት ከምዝቃልዑ ሓደ መፅናዕቲ ገሊፁ። እቲ መፅናዕቲ ውሕስና ምግቢ ዘይምርግጋፅ ወይ ድማ እኹል መግዝኢ ምግቢ ገንዘብ ዘይምህላው ኣብ ዘይ ዕድመ ንዝፍጠር ሞት ምኽንያት ከምዝኾነ ዕላዊ ገይሩ።…

ስጉምቲታት ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ንፍሰት ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምቹው ዕድል ከምዝፈጥር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስጉምቲታት ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ንፍሰት ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምቹው ዕድል ከምዝፈጥር ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰትር ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም። ኣይተ ደመቀ ለንደን ኣብ ዝተኸየደ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ብሪታኒያ - ኣፍሪካ ኣመልኪቶም…

ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ስሩዕ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ 5ይ ዓመት ዘመን ዝራሕ 10ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ንጉሆ ውዕሉኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። ብመሰረት እዚ ቅድም ክብል ዝነበራ ቁፅሪ ወረዳታት ካብ…

ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ምስ ዝሰርሑ ከንትራክተራት ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢጅነር ስለሺ በቀለ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እናሰርሑ ምስ ዝርከቡ ከንትራክተራት ተዛትዮም። እቶም ኮንትራክተራት ኣብ ከይዲ ስራሕ እቲ ግድብ ብፍላይ ኣብ ዝተዋደደ ትልሚ ስራሕ ዘድሃበ ፀብፃብ…

ብዓል ቃና ዘገሊላ ኣብ መላእ ትግራይ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዓል ቃና ዘገሊላ ኣብ መላእ ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ። እቲ ብዓል ብፍላይ ብብርኪ ክልል ብዓል ጥምቀት ኣብ ዝተኸበረሉ ከተማ ማይጨው ብዝደመቐ ኩነታት ዝኽበር ዘሎ እንትኸውን፥ ምእመናን ሃይማኖታዊ ስርዓት ሓሊዮም ታቦት ቅዱስ ሚካኤል ካብ…