Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ማዕርነት ፆታን ትምህርቲን ዝዝቲ ጉባኤ የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ማዕርነት ፆታን ትምህርቲን ዝዝቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይዱ ኣለዉ። ኣብቲ ጉባኤ ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮኝ ንህፃናትን ተበፃሒ ምግባር ኣብዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም እናተዛተዩ ምዃኖም…

ምስ ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ናብ ቻይና ዝግበር በረራ ምቁራፅ ውሕስና ኣይህብን – ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ ክቋረፅ መምግባሩ ንዝርገሐ እቲ ቫይረስ ውሕስና ከምዘይኸውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ገሊፆም። እቲ መገዲ ኣየር ምስ ስግኣት…

ተመራመርቲ ቻይና ንቫይረስ ኮሮና ብዕዉት መገዲ ክከላኸሉ ዝኽእሉ ክልተ ሓደሽቲ መድሓኒታት ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተመራመርቲ ቻይና ንቫይረስ ኮሮና ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ክከላኸሉ ዝኽእሉ ክልተ ሓደሽቲ መድሓኒታት ምርካቦም ተገሊፁ ኣቢዶልን ዳርናቪርን ዝተብሃሉ መድሓኒታት፥ ኣብ ውሽጢ በተ-ፈተነ ቪትሮ ሴል ነቲ ቫይረስ ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ክከላኸሉ ከምዝኽእሉ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝሳለጥ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ እኹል ምድላው ፀፅታ ምግባሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝሳለጥ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ እኹል ምድላው ፀፅታ ምግባሩ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሰሙን እዚ ንዝሳለጥ መበል 33 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ፥ እኹል ሓለዋ ፀፅታ ንምግባር…

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስኣን ሕጋዊ ሰውነት ኢህወዴግ ብዝምልከት ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስኣን ሕጋዊ ሰውነት ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግምባር (ኢህወዴግ) ብዝምልከት ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ቦርድ ኣብቲ ዛዕባ ኣድሂቡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኢህወዴግ ብኣቦ ወምበሩ ኣቢሉ ናብቲ…

ኣብ ዞባ ጅማ ሆስፒታል ሰቃ ሓንቲ ኣዶ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዋ ህፃን ተገላጊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ሆስፒታል ሰቃ ሓንቲ ኣዶ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዋ ህፃን ብሰላም ምግልጋላ ተገሊፁ። ኣዶ ገነት ፍሳሃ ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትትከውን፥ ምስ ስድራቤታ ኮይና ንምውላድ ኢያ ናብ ዞባ ግማ ወረዳ ሸቤ ክትከይድ ዝኸኣለት።…

ጉጅለ ኢንቨስትመንት ዩናይትድ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንደር ኢንዱስትሪ ናይ ምህናፅ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ኢንቨስትመንት ዩናይትድ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንደር ኢንዱስትሪ ናይ ምህናፅ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል፥ ብፕሬዚዳንት እቲ ጉጅለ ኢንቨስትመንት ሰሂቼንግ ዣንግ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ…

ን17 መዓልቲ ኣብ መላእ ትግራይ እትዘውር ሸግ ደደቢት ሎሚ መዓልቲ ተወሊዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ን17 መዓልቲ ኣብ መላእ ትግራይ እትዘውርን ካብ ደደቢት ናብ ሰርዶ ዓፋር ናይ እግሪ ጉዕዞ ትገብርን ሸግ ደደቢት ሎሚ መዓልቲ ተወሊዓ። እታ ሽግ ደደቢት፥ “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኸበረ ዝርከብ መበል 45 ዓመት ምጅማር…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል ሎሚ መዓልቲ መሪቖም። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ብተወሳኺ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ላዕለዎት…

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ናብ ቻይና ኣብ ዝግበሩ ጉዕዞታት ክልከላ ምግባር ኣግባብ ከምዘይኮነ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ናብ ቻይና ኣብ ዝግበሩ ጉዕዞታት ክልከላ ምግባር ኣግባብ ከምዘይኮነ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም። ኣብ ቻይና ዝተርኣየ ቫይረስ ኮሮና ነምዕጋት ብዝብል ዝተፈላለያ ሃገራት…