Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ቁፅሪ መሳርሒታት ኲናት እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከባቢታት ዶብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ቁፅሪ መሳርሒታት ኲናት እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ። ኣብ ኣተገባብራ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመሓዳድራን ቁፅፅርን መሳርሒታት ኲናት ዘድሃበ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ። ብኣሰናዳእነት ሚኒስትር ሰላም ዝተሳለጠ እቲ…

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ፌዴሪኢ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ሚኒስትራት፣ ኣባላት ኮሚቴ ድርድር፣ ምሁራን፣ ፍሉጣት ሰባትን…

ቦርድ መረፃ ዕድጊት ንምዝገባ መረፅቲ ዘገልግሉ ውፅኢታት ሕትመትን ኣቑሑትን ምዝዛሙ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዕድጊት ንምዝገባ መረፅቲ ዘገልግሉ ውፅኢታት ሕትመትን ካልኦት ኣቑሑት መረፃን ምዝዛሙ ገሊፁ። እቶም ኣቕሑት ልዑል ሓለዋ ብዘለዎ መኽዚን ካርጎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢሉ ምእታው ከምዝዛመ ዝገለፀ እቲ ቦርድ፥ ስራሕቲ…

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣምሪሖም

አዲስ አበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ስዑድ ዓረብ ኣምሪሖም። እቶም ፕሬዚዳንት ናብ ሪያድ ዝተጉዓዙ፥ ንጉስ ስዑድ ዓርብ ሰልማን ቢን ኣብዱልኣዚዝ ብመሰረት ዝገበሩሎም እንግዶት ምዃኑ ተገሊፁ።…

ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዝተወለዐሉ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ክሳብ ምውዳቕ ደርግ ንዝነበሩ ተጋደልቲ ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዝወለዐትሉ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ክሳብ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ንዝነበሩ ተጋደልቲ ክብሪን ኣፍልጦን ትማሊ ተዋሂቡ። እቲ ትማሊ ዝተሳለጠ ምሃብ ክብርን ኣፍልጦን፥ ንመስረቲ እቲ ውድብ፣ ፈፀምቲ ስራሕ፣ ብብርኪ ማእከላይ…

ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ተግራይ ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ 11 ለካቲት ውድባዊ መግለፂ ሂቡ። ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብዛ ሃገር ንዝነበረ ወፅዓ፣ መፅቀጥትን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን እምቢ…

ብቫይረስ ኮረና ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ዝመፅኡ 465 ሰባት ክትትል ይግበረሎም ኣሎ-ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣስታት 125 ሺሕን 850 ዝኾኑ ተጓዓዝቲ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርመራ ከምዝሓለፉ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር እዋናዊ ኩነታት ቫይረስ ኮረና ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ 3 ሺሕን 538 ተጓዓዝቲ በቲ ቫይረስ…

ኣብ መቐለ ኣብ 100 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ ሪል እሰቴት ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ሞሞና ንዝህነፅ መንበሪ ኣባይቲ ሪልስቴት እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም። ድሕሪ ምንባር እቲ እምነ ኩርናዕ መቐለ ዓለም ለኸ ኸተማ እያ ዝበሉ ዶ/ር…

በዓል 11 ለካቲት ድሙቐን ሰላማዉን ኮይኑ ንክሓልፍ ኣድላዪ ምድላው ተወጊኑ ኢዩ – ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ

አዲስ አበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል 11 ለካቲት ፍፁም ሰላማዉን ድሙቕን ኮይኑ ክሓልፍ ኩሉ ዓይነት ምድላው ከምዝገበረ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቡዎ መብርሂ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ በቢ ከባቢኡ ዝተኻየደ ድሙቕ…

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ዝነበሮም ዑደት ዛዚሞም 135 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብመሓዝ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

አዲስ አበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ዝነበሮም ዑደት ብምዝዛም ሰነድ ጉዕዞ ስኢኖም ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ዝነበሩ 135 ኢትዮጵያውያን ሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም። እቶም ኢትዮጵያውያን ሰነድ ጉዕዞ ስለዘይብሎም ካብ…