Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ናይ ሓባር መንግስቲ ከቑሙ ተሰማሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን መቐናቕንቶም ሪክ ማሻርን ዝተውሃቦም ገደብ ግዜ ቅድሚ ምብቅዑ ሓባራዊ መንግስቲ ከቑሙ ተሰማሚዖም። እቲ ምዕባለ ዝመፅአ፥ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ጁባ ብሓሙስ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ እዩ ተባሂሉ።…

ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ዘኽእል ኣማራፂ ስትራቴጂክ መፅናዕቲ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ዘኽእል ቀፃሊ ኣማራፂ ስትራቴጂክ መፅናዕቲ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኮይኑ። እቲ መፅናዕቲ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ምስ ኤጀንሲ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ብምትሕብባር ከምዘካየዱዎ ተገሊፁ። ውፅኢት ናይቲ መፅናዕቲ ኣብ…

ብዶ/ር ኣትነኩት መዝገቡ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ትግራይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣትነኩት መዝገቡ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ እቲ ክልል መኽፈቲ ስነ ስርዓት ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተዓዚቡ። እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ዝነበረ…

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ነቲ ሕዚ ዘሎ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ሃዋሳ ነቲ ሕዚ ዘሎ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ። ኣብ ስታዲየም ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፥ ብዙሓታ ነበርቲ እታ ከተማን ከባቢኣን ተሳተፍቲ ኮይኖም ኢዮም። እቲ ሰልፊ ንቀዳማይ ሚኒስትር…

160 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ትምህርቲ ተረባሕቲ ኮይነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ማልት) 160 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ክልል መርሃ ግብሪ ዲጂታል ትምህርቲ ተረባሕቲ ንክኾና ከምዝገበረት ኣፍሊጣ። ኣተሓባባሪ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ማልት ኣይተ ንጉሰ ገብረክርስቶስ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ክልል ትግራይ…

ኣትሌት ኣባብል የሻነህ ክብረ ወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ሰይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ቃይማህ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣባብል የሻነህ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊታ። እታ ጓል 28 ዓመት ኣትሌት፥ ብ 1 ሰዓት 4 ደቒቕን 31 ካልኢትን ብምእታው እያ ነቲ…

ኣይተ ኣሸብር ባልቻ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኮይኖም ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ኣሸብር ባልቻ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኮይኖም ምሻሞም ተገሊፁ። ኣይተ ኣሸብር ቅድሚ ሕዚ ኣብ ነበር ኢንስቲቲዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኣርባ ምንጭ ብሜካኒካል ምህንድስና ናይ መጀመርታ ዲግሪ ዝተቐበሉ እንትኾኑ፥ ካብ ዩኒቨርሲቲ…

ሚኒስቴር እቶት ንከፈልቲ ግብር ኣመስጊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ መንፈቕ ዓመተ 2012 ንዝተመዝገበ ዕዉት ኣፈፃፅማ ልዑል ግብሪ ንዝኸፈሉ ኣካላት ኣመስጊኑ። እቲ መርሃ ግብሪ ምስጋና፥ ትማሊ ምሸት ከምዝተሳለጠ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ። ሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣዳነች…

ልዕሊ 1 ሚሊየን ዜጋታት ካብ ሓገዝ ናፃ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመንግስቲን ትካላት ወሃብቲ ሓገዝን ድጋፍ ዝግበረሎም ዝነበሩ ልዕሊ 1 ሚሊየን ዜጋታት ካብ ተሓጋዛይነት ናፃ ከምዝወፅኡ ተገሊፁ። እቶም ዜጋታት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ከባቢ ኣየርን ፀገም ፀፅታን ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ዝነበሩ ኢዮም…

ኮንፈረንስ ስድራ ስዉኣት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳለጥ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮንፈረንስ ስድራ ስዉኣት ካብ ሎሚ መዓልቲ ክሳብ 15 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝሳለጥ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ገሊፁ። ሓላፊት እቲ ቢሮ ወይዘሮ ኪሮስ ሓጎስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ እቲ…