Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

29 ለካቲት ካብ ኣደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ መቐለ ጉዕዞ እግሪ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)29 ለካቲት 2012 ዓ/ም ካብ አደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ ጉዕዞ እግርን ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ሽግ ኦሎምፒክ ቶክዮን ከምዝካየድ ማሕበር ልምዓት ጮምዓ መስቀል መቐለ ገሊፁ። እቲ ጉዕዞ እግሪ "ጥዕናን ልምዓትን ንመኸተ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ…

ኢትዮጵያ ብልፅቲ ተበፃሒት ቅድመ ታሪኽ ቅሪት ኣካልን መካነ ሓድጊን ብምዃን ሽልማት ፖትዋ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ናይዚ ዓመት ብልፅቲ ተበፃሒት ቅድመ ታሪኽ ቅሪት ኣካልን መካነ ሓድጊን ሃገር ብዝብል ኣብ በቢዓመቱ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ሽልማት ፖትዋ ተዓዊታ። ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ዶክተር ሂሩት ካሳው ድማ ትሕቲ ሰሃራ ብልፅቲ ሚኒስትር…

ምዕባለ ዘፈር ውልቀ ንምብርትታዕ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ማሕለኻታት ምፍታሕ ይግባእ – ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕባለ ዘፈር ውልቀ ንምብርትታዕ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ማሕለኻታት ምፍታሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ገሊፀን። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝካየድ መድረኽ እዋናዊ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ። ኣብቲ…

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ብምዃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወፍሪ ፅሬት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ብምዃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ወፍሪ ፅሬት ኣካይዶም። እቲ ወፍሪ ፅርየት፥ “ረሳሕ ኣተሓሳስባን ርስሓትን ካብ ከተማይ ከንፅህ ኢየ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ…

ሱዳን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ቅዋም ግብፂ ብምድጋፍ ሊግ ዓረብ ዘውፀኦ ውሳነ ሓሳብ ነፂጋቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ቅዋም ግብፂ ብምድጋፍ ሊግ ሃገራት ዓረብ ዘውፀኦ ውሳነ ሓሳብ ከምዝነፀገቶ ተገሊፁ። መንግስቲ ግብፂ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ መበል 153 ኣኼባ ሚኒስትራት ሊግ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ድርድር…

ማልት ብልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚልየን ብር ዘህነፀቶ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሞሞና ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕን ህዝብን ምምሕዳርን ጣብያ ዓዲሑፃን ብልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚልየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሞሞና ተመሪቑ ግልጋሎት ምምሃርን ምስትምሃርን ምሃብ ጀሚሩ። ማሕበር…

ደረቕ ወደብን ተርሚናልን መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 6 አዋርሕ ልዕሊ ብር 39 ሚልዮን ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ደረቕ ወደብን ተርሚናልን መቐለ ካብ ኣምፃእትን ለኣኽትን ብዝሃቦ ግልጋሎት ኣብ ዝሓለፉ 6 አዋርሕ ልዕሊ 39 ሚልዮን ብር ኣታዊ ረኺቡ። ኣካያዲ ስራሕ እቲ ደረቕ ወደብ ኣይተ ተኽለሃይማኖት ኣርኣያ ከምዝበልዎ፥ እቲ ደረቕ ወደብ ንለኣኽቲ ኮንቴነር…

ሃገር ለኸ መጠን ድኽዳኸ ካብ 60 ናብ 37 ሚኢታዊ ክንኪ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገር ለኸ መጠን ድኽዳኸ ካብ 60 ናብ 37 ሚኢታዊ ክንኪ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ። ሚኒስትር ጥዕና ምስ ሴክተር ኣቢያተ ዕዮ መንግስቲን መዳርግቲ ትካላትን ኣፈፃፅማ መንፈቕ ዓመት ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ኣካይዶም። ኣብ ጉዳይ ስርዓተ ምግቢ ብዝተሰርሑ…

ኣይተ ኣቤ ሳኖ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ትዮጵያ ኮይኖም ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ኣቤ ሳኖ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ትዮጵያ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ተገሊፁ። ኣይተ ኣቤ ሳኖ፥ ኣምባሳደር ኮይኖም ንዝተሾሙ ነበር ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ባጫ ጊና ብምትካእ ሎሚ መዓልቲ ስረሖም ጀሚሮም ኣለዉ። ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ባንክኒግዲ…

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ በዓል ዓወት ካራ ማራ ብዝምልከት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ በዓል ዓወት ካራ ማራ ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ብዚያድ ባሬ ምስ ዝተመርሐ ወራሪ ሓይሊ ሶማሊያ ኣብ ዝነበረ ተጋድሎ ወሳኒ…