Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ካብ 222 ሺሕ ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት 222 ሺሕን 643 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ። እቲ ቫይረስ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዘለዎ ምስፋሕ በዝለዓለ መጠን ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊፁ። ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሳብ ሐዚ 9 ሺሕን 115 ሰባት…

ምምሕዳር ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራል ን15 መዓልቲታት ምሕታት ተሃነፅቲ ምኽልካሉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራል ምስ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ጥዕና ተሃነፅቲ ንምሕላው ብዝብል ንዝቕፅሉ 15 መዓልቲታት ተሃነፅቲ ምስ ቤትሰቦም ከይራኸቡ ምኽልካሉ ኣፍሊጡ። ጀነራል ኮሚሽነር እቲ ቤት ህንፀት ጀማል ኣብሶ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ…

ኣብ ጣልያን ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 475 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጣልያን ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 475 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ። ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕዚ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 3 ሺሕ ከምዝበፅሐ ዝተሓበረ አንትኸውን፥ እቲ  ኣጋጢሙ ዘሎ መጠን ሞት ድማ ክሳብ ሐዚ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብሞት ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ብሞት ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን፥ “ብሞት ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ዓምዩቕ ሓዘን ተሰሚዑኒ” ኢሎም። ዶክተር…

ኣብ ትግራይ ኣብ ሸቐጣትን ናውቲ ሕክምናን ወሰኽ ዋጋ እንተጋጥም ሓበሬታ ንምሃብ ዘኽእሉ ቁፅሪታት ስልኪ ዕላዊ ተገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ምርኣዩ ስዒቡ ኣብ ሸቀጣትን ናውቲ ሕክምናን ወሰኽ ዝገበሩ  ነጋዶ ከምዝተረኸቡ ቢሮ ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ  ገሊፁ። ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ ሸቐጣትን ናውቲ ሕክምናን ወሰኽ ዋጋ እንተጋጥም ሓበሬታ ንምሃብ…

ኮርፖሬሽን ሽኮር ንመሰናድኢ ኣቑሑት መሐለዊ ፅሬት ዝውዕል እኹል ቴክኒካል ኣልኮል ምህላዉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ሽኮር ኢትዮጵያ ንመሰናድኢ ኣቑሑት መሐለዊ ፅሬት ዝውዕል ልዕሊ 3 ሚሊየን ሊትሮ "ቴክኒካል ኣልኮል" ምህላዉ ኣፍሊጡ። ኮርፖሬሽን ሽኮር ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ እቲ ኣልኮል ኣብ ፋብካታት ሽኮር ፊንጫን…

ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ መስራቲት ሆስፒታል ፌስቱላ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊየን።   ብሕማም ፌስቱላ ንዝተጠቐዓ ኣዴታት ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ዝፍለጣ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ኣብ መበል 96 ዓመተን ኢየን ትማሊ ዓሪፈን።…

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕን 800 ዘይሕጋውያን ነጋዶ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቑፅፃር ብዝተሰርሑ ስጡም ስራሕቲ ቑፅፅር 2 ሺሕን 882 ብዘይንግዲ ፍቓድ ይሰርሑ ዝነበሩ ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዱስትርን እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ 431 ነጋዶ ድማ ንዝምልከቶ…

ኣብ ጅቡቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ሰብ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጂቡቲብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ዝተረኸበላ ካሊእ ምብራቕ ኣፍካዊት ሃገር ኮይና ተመዝጊባ። እቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ውልቀ ሰብ ቅድሚ ኣርባዕተ ማዓልቲ ናብ ጅቡቲ ዝኣተወ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ስፔን እንትኸውን፥ ትማሊ ብዝተገበረሉ ምርመራ ድማ በቲ…

ሰባት ኣብ ዝእከቡሉ ከባቢ ርሕቐት ምሕላው ዘለዎ ረብሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰብ ሞያ ሕክምና ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኢድ ምሕፃብ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ ይምዕዱ። ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ ሰባት ኣብዝበዝሑሉ ከባቢ ረሕቐት ሓሊኻ ምንቅስቓስ ከምዝግባእ ኢዮም ዝምዕዱ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ…