Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማልያ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ሕይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማልያ ኑር ሓሰን ሑሴን ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ለንደን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። ብመሰረት እዚ ሶማልያ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ ኣላ ተባሂሉ። ወዲ 83 ዓመት ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማልያ…

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ቻርልስ ሚሼል ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣድሂቦም ተዛቲዮም። ቫይረሰ ኮሮና (ኮቪድ-19) ኣብ ኣፍሪካ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ንምክልኻል ምስ ሕብረት ኣውሮፓ…

ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮረና ክልል ትግራይ ተሃነፅቲ ብይቕሬታ ንምፍታሕ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮረና ክልል ትግራይ 23 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ውሳነ ቑፅሪ 005/2012 ካብ ዝተቐመጡ ረቛሕታት እንተነኣሰ ንሓዲኡ ዘማልኡ ተሃነፅቲ ብይቕሬታ ንኽፍትሑ ወሲኑ። ብመሰረት እቲ ውሳነ፥ ሓደ ተሃናፂ…

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣድሂቦም ተዛቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ክልቲኦም መራሕቲ እቲ ቫይረስ ከስዕቦ ንዝኸእል…

ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ትገብሮ ፃዕሪ ዝኸውን 82 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ትገብሮ ፃዕሪ ዝኸውን 82 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ገይሩ። ኢትዮጵያ ዝርገሐ ናይ̕ቲ ቫይረስ ብምቁፅፃር ኣብ ሓፂር እዋን እግሪ ንኽትተክል ኣብ ዘኽእሉዋ ዓውዲታት ዝውዕል ሓገዝ ከምዝኾነ…

ትራንስ ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮና መከላኸሊ ዝኸውን 20 ሽሕ መሸፈኒ ማስክ ንምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትራንስ ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮናመከላኸሊ ዝኸውን 20 ሽሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን( ማስክ) ንምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣረኪቡ። እቲ ትካል ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበረ ከምዝመፀን ሐዚ ድማ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ኣብ ጎድኒ ህዝብን መንግስትን ኮይኑ…

ግድብ ህዳሰ ብራኸ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኢትዮጵያውያን ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወረቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብራኸ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኢትዮጵያውያን ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሬኢ ሳህለወረቅ ዘውዴ ገሊፀን። እተን ፕሬዚዳንት መበል ታሽዓይ ዓመት ምጅማር ህንፀት እቲ ግድብ ኣመልኪተን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ንዓመታት ኣብ ልዕሌና…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ካብ ዝተትሓዙ በዝሒ ሕሙማት ዝሓሾም ቁፅሮም 3 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም ናብ ሕክምና ካብዝኣተዉ ሕሙማት ብዝተገበረሎም ክትትል ዝነበሮም ሕማም ዝሓሾም ሰባት ቁፅሮም ሰለስተ ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ገሊፁ። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ቅድመ ሐዚ እቲ ሕማም ሐሹዎም…

መሰረታዊ ሸቐጣት ብፍትሓዊ መንገዲ ናብ ሕብረተሰብ ክባፃሕ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ቑጠባ ምክልኻል ቫይረስኮሮና  ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሰረታዊ ሸቐጣት ብፍትሓዊ መንገዲ ናብ ሕብረተሰብ ክባፃሕ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ቑጠባ ምክልኻል ቫይረስኮሮና  ትግራይ ኣፍሊጡ ኣተሓባባሪ  እቲ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ዶ/ር መብራህቱ መለስ ከምዝበልዎ፥ መፍረይቲን ወሃብቲ ግልጋልት…

ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 1 ሚልየን ይፅጋዕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ እቲ ልዕሊ 939 ሽሕ በፂሑ ዘሎ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሒደት መዓልታት ናብ 1 ሚልየን ክኣቱ እዩ ክብሉ ገሊፆም። ስለዝኾነ ናህሪ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣጨኒቑዎ…