Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ንተኸታተልቲ መዓልቲታት እናተውሃበ ዝቐነየ ስልጠና ኣምባሳደራት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንኢትዮጵያ ክውክሉ ዝተሸሙ ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ንዘሓለፉ ተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልቲታት ክወሃብ ዝቐነየ ስልጠና ተዛዚሙ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ አንዳርጋቸው፥ ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ተረኺቦም ምልእኽቲ…

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዘካይደኦ ዘለዋ ሰለስቲኣዊ ዘተ ትማሊ ንሳልሳይ መዓልቲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰን ዓመታዊ ኣሳድዳ ማይን ብዝምልከት ዘካይደኦ ዘለዋ ሰለስቲኣዊ ዘተ ትማሊ እውን ንሳልሳይ መዓልቲ ቀፂሉ ውዒሉ። እቲ ብመርበብ ሓበሬታ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ብሊቀ…

ኤጀንሲ መረብ ደሕንነት ኢንፎርሜሽን ካብ ምንኽኻእ ናፃ ዝኾነ መሳርሒ መናፅሂ ኢድ ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ለጊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ሰነ፣ 2012፣ (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ መረብ ደሕንነት ኢንፎርሜሽን ምግፋሕ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ ካብ ምንኽኻእ ናፃ ዝኾነ መሳርሒ መናፅሂ ኢድ ብምድላው ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ለጊሱ። ዋና ዳይሬክተር ኢቲ ኤጀንሲ ዶክተር ሹመቴ ግዛው ንቀዳማይ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ማሕበራዊ መሰረቶም ኣብ ክልል ደቡብ ምስዝኾኑ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ማሕበራዊ መሰረቶም ኣብ ክልል ደቡብ ምስዝኾኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዮም። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ክልል ደቡብ ምስ ዘሎ ኣወዳድባ ዝተሓሓዙ ሕቶታትን ዛዕባታትን ብምቕራብ ዘተ ተገይሩሎም። ቀዳማይ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 164 ሰባት እንትርከቡ 5 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 6 ሽሕን 630 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 164 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሓሙሽተ ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ። በቲ ቫይረስ…

መበል ራብዓይ ቆፀራ ህዝብን ኣባይቲን ንሳልሳይ እዋን ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ኣኼባ መበል ራብዓይ ቆፀራ ህዝብን ኣባይቲን ንሳልሳይ እዋን ንክናዋሕ ሎሚ መዓልቲ ወሲኖም። እቲ ውሳነ ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንናይ ህዝቢ ጥዕናን ድሕንነትን…

ኣመራርሓታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብዝምልከት ንሕብረተሰብ ናይ ምንቃሕ ስራሕቲ ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብዝምልከት ንሕብረተሰብ ናይ ምንቃሕ ስራሕቲ ኣሳሊጦም። ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ በቀለ ሙለታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዘዋወሩሎም ከባቢታት ምንቅስቓስ…

በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ብ25 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር 15 ስምምዓት ህንፀት መገዲ ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ብ25 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር 15 ስምምዓት ህንፀት መገዲ ምስ ዝተፈላለዩ ኮንትራክተራት ተፈራሪሙ። እቶም 1 ሺሕን 22 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎም መገዲታት፥ ብዘይካ ሓደ ፅገናን ሓደ ፀፀር መገዲን ዝተረፉ ኩሎም ብብርኪ…

ኣብ ኣሜሪካ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 2 ሚልየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘመልክቶ ኣብ ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኮይኑ’ሎ። እዚ ቁፅሪ ከኣ ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ዘስርዓ እንትኸውን፥ ነታ ኣብ ኻልኣይ ብርኪ ዘላ ብራዚል ብሰለስተ ዕፅፊ ትበልፃ።…

ሚኒስቴር እቶት ኣብ ወርሒ ግንቦት ልዕሊ 18 ነጥቢ 35 ቢሊየን ብር እቶት ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ ወርሒ ግንቦት ልዕሊ 18 ነጥቢ 35 ቢሊየን ብር እቶት ኣኪቡ። እቲ ሚኒስቴር ኣብ ወርሒ ግንቦት 23 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ንምእካብ ትልሚ ሒዙ ዝነበረ እንትኸውን፥ ልዕሊ 18 ነጥቢ 35 ቢሊየን ብር ብምእካብ 77 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ…