Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ኣርቲስት ሃጫሉ እንትቕተል ምስኡ ዝነበረት ላምሮት ከማል ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)22 ሰነ 2012 ዓ.ም ምሸት ኣስታት 3 ሰዓት ኣብ ከባቢ ገላን ኮንዶሚኒየም ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ እንትቕተል ምስኡ ዝነበረት ላምሮት ከማል ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። መርማሪ ፖሊስ እታ ውልቀ ሰብ ምስ ቅትለት ኣርቲሰት ሃጫሉ ርክብ ኣለዋ…

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣርማ ናፅነት ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣርማ ናፅነት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ኣባላት ቦርድ ህንፀት ግድብ ህዳሰን ሓለፍቲ ስራሕ ፕሮጀክትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዝቐረበ ፀብፃብ ኢዩ።…

ሕብረት ኣፍሪካ ሃገረ ማሊ ካብ ኣባልነት ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ሃገረ ማሊ ካብ ኣባልነት ከምዝኣገደ ተገሊፁ። እቲ ሕብረት ኣብ ማሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ስዒቡ ኢዩ ነታ ሃገር ካብ ኣባልነት ኣጊዶዋ ተባሂሉ። እቲ እገዳ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክሳብ ዝምለስ ከምዝፀንሕ ድማ…

ሎሚ ንጎሆ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፀፅታ ቡምባ ዝወርወረ ኣባል ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝወሰደሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ንጎሆ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ስራሕቲ ፀፅታ ውሽጢ ንውሽጢ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካላት ፀፅታ ቡምባ ዝወርወረ ኣባል ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝወሰደሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ሎሚ ንጎሆ ኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ቀበሌ 01 ወይ…

ድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ሚስጢር ድሕንነት መንግስቲ ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፎም ብምሃብን ገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ሚስጢር ድሕንነት መንግስቲ ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፎም ብምሃብን ገበን ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ትማሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቶም ተጠርጠርቲ፥ ነበር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ኣይተ…

ብመስመር ሑመራ ኣቢሉ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝተፈተነ ልዕሊ 449 ሺሕ ዶላር ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብመስመር ሑመራ ኣቢሉ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝተፈተነ ልዕሊ 449 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ። እቲ ገንዘብ  ዜግነት ኢትዮጵያ ብዘለዎም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ንምውፃእ ከምዝተፈተነ ተገሊፁ። እቲ 17…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 336 ሰባት እንትርከቡ 28 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 21 ሺሕን 326 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 336 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 34…

ዝተበላሸዉን መለክዒ ዘየማልኡን ልዕሊ 227 ቶን ፍርያታት ምግቢን ጥረ ኣቑሑትን ናብ ሃገር ከየኣትዉ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ዝተበላሸዉን ኣገዳዲ መለክዒ ገላፂ ፅሑፍ ዘየማልኡን ልዕሊ 227 ቶን ፍርያታት ምግቢን ጥረ ኣቑሑትን ናብ ሃገር ከየኣትዉ ተገይሩ። በዓል መዚ ምቁፅፃር ምግቢን ኣፋውስን ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራሕ ኣብ ዙሪያ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ሓሙሽቲአን…

ሃገር ለኸ ፎረም ጥዕና መናእሰይ ክየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ፎረም ጥዕና መናእሰይ ከምዝሳለጥ ሚኒሰትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን። እቲ መድረኽ መናእሰይ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝዳለዉ ፖሊሲታት ጥዕናን ፕሮግራማትን ዝዛተዩሉ ከምኡ እውን ዘለዎም ኣመለኻኽታን መፍትሒ ሓሳብን ዘቕርቡሉ…

ኣብ ኢትዮጵያ ን10 ምርመራ መዓድንን 2 ፍርያት መዓድንን ፈቓድ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምእላሽን ምልማዕን መዓድንን ንምክያድ ፍቓድ ንዘሓተቱን መዐቀኒታት መውሃቢ ፍቓድ ኣመማሊኦም ዝተረኸቡን 12 ኩባኒያታት መዓድን ፍቓድ ከምዝተውሃቦም ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒሰቴር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ካብ ዝተውሃቡ…