Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ምዝገባ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ካብ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ምዝገባ ተምሃሮ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ካብ ፅባሕ 20 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝሳለጥ ገሊፁ። ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ሃረጓ ማሞ ኣብያተ ትምህርቲ ምዝገባ እንተካይዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 472 ሰባት እንትርከቡ 14 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 18 ሺሕን 851 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 472 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምፍፃም ናብ ካርቱም ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ሎሚ ንጎሆ ናብ ካርቱም ኣምሪሖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሀልዎም ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣብደል ፈታህ ኣልቡርሀንን…

ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣራዳን ጉለሌን ሃንደበታዉ ዑደት ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣራዳን ጉለሌን ሃንደበታዉ ዑደት ገይረን። ኣብ ዑደተን ኣብተን ክፍለ ከተማታት ኣገልግሎት ኣብ ዝበዝሖም ዓውዲታት ስራሕ ዝወሃቡ ግልጋሎታት ዘተዓዘባ እንትኾና ምስ…

ቤት ፍርዲ ሕቶ ዋሕስ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ውድቂ ብምግባር ንምርመራ ተወሳኺ እዋን ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ኣብ ወረዳ ከተማ ቢሾፍቱ ንራብዓይ ግዜ መጋባእያ ቀሪቦም ዘቕረቡዎ ሕቶ ዋሕስ ቤት ፍርዲ ሕቶኦም ብምንፃግ ንመርማሪ ፖሊስ ተወሰኽቲ ሸውዓተ መዓልቲታት ፈቒዱ። ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብዝተጠርሩሉ ገበን ምልዕዓል ዓመፅ፥ ኣብ ትሕቲ…

ዶ/ር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትየዮጵያ ስቴፋን ክርስቲያን ተዛቲዮም። ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።…

ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ናብ ክፍሊ መሐከሚ ፅኑዕ ሕክምና ዝኣትዉ ሰባት ቁፅሮም ይውስኽ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ናብ ክፍሊ መሐከሚ ፅኑዕ ሕክምና ዝኣትዉ ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ምዃኑ ተገሊፁ። ሜዲካል ዳይሬክተር ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ሚሊኒየም ዶክተር ውለታው ጫኔ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ማእኸል ልዑል…

ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም 787 መጥቃዕቲ በይነ መረብ ፈሺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተፈነዉ 787 ዝኾኑ ፈተነታት መጥቃዕቲ በይነ መረብ ከምዘፈሸለ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ። ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ከፍያለው ተፈራ ከምዝበሉዎ፥ ካብ…

ዓመታዊ ኣኼባ ኣምባሳደራት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓመታዊ ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዋና ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ኣምባሳደራትን ቆንስላ ጀነራላትን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ኣኼባ “ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽቶና ንሃገራዊ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቓል ኢዩ እናተሳለጠ ዝርከብ።…

ጋንታ ባየር ሙኒክ ተዓዋቲት ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ እዚ ዓመት ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጀርመናዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ባየር ሙኒክ ንፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴንት ጀርመንን ብምስዓር ተዓዋቲት ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ እዚ ዓመት ኮይና። ውድድር ፍፃመ ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ 2019/2020 ትማሊ ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ…