Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ልዕሊ 1 ሺሕን 700 ብሕክምና ዘምሃሮም ተምሃርኡ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ልዕሊ 1 ሺሕን 700 ብሕክምና ዘምሃሮም ተምሃርኡ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ። እቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቑ  ተምሃሮ ብስሩዕን ምሸታዊን ትምህርቲ ሕክምና ዶክትሬት ዝተኸታተሉ ኢዮም ተባሂሉ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ላዕለዎት…

በዓል ደመራ መስቀል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወሰኑ ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ደመራ መስቀል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወሰኑ ሰዓብቲ እቲ እምነት ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ክኽበር ኢዩ። እቲ በዓል ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝኽበር እንትኸውን ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ውሑዳት ሰባት ጥራሕ ከምዝርከቡ ምግላፁ ይዝከር።…

ሰፊሕ ከባቢታት ደቡብ ሱዳን ብማይ ከምዝተዕለቕለቐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ምስ ፈለግ ናይል ዝዋሰን ሰፊሕ ከባቢታት ደቡብ ሱዳን ብማይ ከምዝተውሓጠ ኣብታ ሃገር ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣላይን ኖደሁ ኣፍሊጦም። በቲ ዕልቕልቕ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።…

ካብ መጋለን ያሎን ዝተበገሰ ዕስለ ኣንበጣ ካብ 13 መስከረም ጀሚሩ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብስፍሓት ይኣትው ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ 2012ዓ.ም ዝጀመረ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ብፍላይ ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ፅዕፁዕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ኣፍሊጦም። እቶም ዋና…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 486 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 227 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 486 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 72 ሺሕን 173…

ኣብ ኢትዮጵያ 75 ሚሊየን ሰባት ትኹረት ንዘድሊዮም ሕማማት በረኻ ዝተቓልዑ ኢዮም – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ 75 ሚሊየን ሰባት ትኹረት ንዘድሊዮም ሕማማት በረኻ ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን፣ ሚኒስትር ትምህርቲን ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት…

ኣብ ትግራይ ተወሰኽቲ 31 ወገናት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 574 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 31 ወገናት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ካብዚኣቶም ድማ 19 ወገናት ካብ ማሕበረሰብ፣ ክልተ ሰባት ምስ ቫይረስኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ…

ህዝቢ ማእኸል ዝገበሩ ተግባራት ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ወሳኒ ተግባር ኢዩ – ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትረ ሰላም ወይዘሮ ሙሪያት ሰላም ምስ ኣባላት ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ሎሚ መዓልቲ ተዛቲየን። እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበለኦ፥ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ትካላዊ ናፅነቱ ዝተሓለወን ከምዝኾነን እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝኾነ ይኹን ስራሕቱ ኢድ…

ቤት ምኽሪ ሰላም ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንበዓላት ዳሜራ፣ መስቀልን ኢሬቻን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሰላም ምምሕር ኣዲስ ኣበባ ንበዓላት ዳሜራ፣ መስቀልን ኢሬቻን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ እቶም በዓላት ምኽንያት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ። ኣብ መግለፂኡ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጣየሸ ቤት…

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ተተሓሒዙ ዝካየድ መፅናዕቲ ኣብ መላእ ሀገር ዝርከባ 68 ከባቢታት ከምዝሽፍን ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ዝተተሓሓዙ ፀገማት ካብ መሰረቶም ንምፍታሕ ዘኽእል ፕሮጀክት ሃገራዊ መፅናዕቲ ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ንምዝዛም ዩኒቨርሲታት ብሓባር ከምዝሰርሓ ተሓቢሩ። ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርከባ 24…