Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ኣፍሪካ ግብሪ ብምጭብርባርን ብስርቂን በቢዓመቱ 89 ቢሊየን ዶላር ትስእን – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣፍሪካ ግብሪ ብምጭብርባርን ብስርቂን በቢዓመቱ 89 ቢሊየን ዶላር ከምትስእን መፅናዕቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ኣፍሪካ በቢዓመቱ ካብ ወፃኢ ሃገራት ንልምዓት ካብ ትቕበሎ ሓገዝ ዝዛየደ ከምዝኾነ ኢዩ እቲ ፀብፃብ ዝገለፀ።…

ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፤ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል “ልዕሊ ርእስኻ ንሃገርን ህዝቢን!” ብዝብል መሪሕ ቓል ፅባሕ ዘኽብሮ በዓል ብዝምልከት ኣብ ሆቴል ሸራተን መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት፣…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተስብ ብር 3 ሚሊየን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይን ንዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተስብ ዝውዕል ብር 3 ሚሊየን ሓገዝ ገይሩ። ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝተመርሐ ልኡኽ፤ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ…

ብህይወት ዘየለ ከንቲባ ኣብ መረፃ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሰንኪ ኮቪድ-19 ህይወቱ ዝሰኣነ ከንቲባ ሮማኒያዊት ከተማ፥ ኣብ ቀረባ መዓልታት ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መረፃ 64 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ተዓዊቱ። ኣብ ደቡባዊ ሮማኒያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ዴቨሰሉ ከንቲባ ዝነበረ ኢዮን ኣሊማን ንሳልሳይ ግዜ ኣብ…

ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዝኽበር መበል 34 ዓለም ለኸ መዓልቲ  ቱሪዝም ክልል ሲዳማ ከምተሰናድእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ክልል ሶማሌ እናተኸበረ ዝቐነየ መበል 33 ዓለም ለኸ በዓል መዓልቲ  ቱሪዝም ተዛዚሙ። ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም “ቱሪዝም ንልምዓት ገፀር” ብዝብል መሪሕ ቓል ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት…

ኣሜሪካ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ዝዋገኦም ናውቲታት ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ዝዋግኦም ናውቲታት መለማመዲን ካልኦትን ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓገዝ ምግባራ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲን ካልኦት…

ምድላዋት ኣቢያተ ትምህርቲ ዘፃሪ ኮሚቴ ናብ ስራሕ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምድላዋት ኣቢያተ ትምህርቲ ዘፃሪ ኮሚቴ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተገሊፁ። ሚኒስትር ትምህርት ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ፥ ትምህርቲ ንምጅማር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተገበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም። ብምዃኑ ድማ ድሉውነት ኣቢያተ ትምህቲ…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 612 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 747 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 612 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 73 ሺሕን 944…

ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ዝነበረ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ከየብፅሕ ኣብ በረኻ እናሃለወ እኹል ነፀጋ ኬሚካል ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያታት ሓዲስ ቅኝን ኡላጋን ዝነበረ ሓያል ዕስለ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ከየብፅሕ ኣብ በረኻ (ዱር) እናሃለወ እኹል ነፀጋ ኬሚካል ከምዝተገበረሉ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም። ውዕሎ…

ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ናብ ከተማ ኣርባምንጭ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ናብ ከተማ ኣርባምንጭ ኣቲዮም። እቶም ኣስታት 30 ዝኾኑ ኣባላት ምስ ኢንቨስትመንት መኣዲ ንሃገር ኣብ ዝተኣሳሰር ስራሕቲ ልምዓት ንምስታፍ ዓሊሞም ኢዮም ናብታ ከተማ ኣምሪሖም። ስለ ዝኾነ ኣብታ ከተማ…