Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ኩለ መዳይ ኢኒሼቲቭ ሃገራዊ ዘተ ብዕሊ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩለ መዳይ ኢኒሼቲቭ ሃገራዊ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጣይሹ። እቲ ኢኒሼቲቭ ኣብ ክሊ መሰረታዊ ዝኾኑ ሃገራዊ ዛዕባታት ዘላቒ መድረኽ ዘተ ናይ ምፍጣር ትልሚ ከምዝሓዘ ተገሊፁ። ኣብቲ መድረኽ ዕላዊ ምጥያሽ መደረ ዝገበሩ ኣካቢ ሓበራዊ ቤት…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓ ምክትል ፕሬዚዳንት ሆሴፕ ቦረል ፎንትለስ ተዛቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣባላት ካቢነኦም ብምዃን ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ…

ኣብ ከተማ ደሴን ኮምቦልቻን ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ደሴን ኮምቦልቻን ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ይዛተዩ ኣለዉ። እቲ መድረኽ ዘተ፥ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻርን ህዝቢ ብህወሓት ዝዝረቡ ኣዕነውቲን መሰረት ዘይብሎምን መረዳእታታት እንተይተደናገረ ብሓባር ናይ ምንባር…

297 ኢትዮጵያውያን ካብ ሱዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)297 ኢትዮጵያውያን ካብ ሱዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ካብቶም ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን እቶም 25 ህፃናት ከምዝኾኑ ተገሊፁ። እቶም ተመለስቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን…

ሚሳይላትን ካልኦት ከቢድቲ ብረታትን ኣብ ዝነበሮ መኽዘን ኣፅዋር ሩሲያ ከቢድ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መኽዘን ኣፅዋር ብዘጋጠመ ባርዕ ነበርቲ 14 ዓድታት ካብ ዝነበሩሉ ከባቢ ክወፅኡ ተገዲዶም። በቲ ሓደጋ ብውሑድ ሽዱሽተ ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፥ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ሓገዝ ሕክምና…

ዩኒቨርሲቲ ጂማ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 409 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ ጂማ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 409 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ። እቶም ተመረቕቲ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ከምኡ'ውን ፒ ኤች ዲ ዝተምሃሩ እንትኾኑ፥ ቅድም ክብል ምስ ዝተመረቑ 3 ሺሕን 139 ተምሃሮ…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል ሻድሻይ ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር የሳልጥ ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ሽዱሽተ ዛዕባታት ብምድሃብ ከምዝዛተ ኣፍሊጡ።…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5 ሽሕ ርሕቐት ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ምምዝጋባ ስዒቡ ናይ እንኳዕ ደስ በለኪ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5 ሽሕ ርሕቐት ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ምምዝጋባ ስዒቡ ናይ እንኳዕ ደስ በለኪ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ሰብ ዋና ሓዱሽ…

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5 ሽሕ ርሕቐት ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ትማሊ ኣብ ሰፔን ቫለንሽያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ 14 ፡ 06 ፡ 62 ግዜ ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ። እቲ ክብረ ወሰን ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝፀንሐ እዩ።…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 892 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕን 254 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 892 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 80 ሺሕን 895…