Fana: At a Speed of Life!

20 ሕዳር ብቀዋምነት መዓልቲ ሓይሊ ኣየር ብምዃን ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)20 ሕዳር ብቀዋምነት መዓልቲ ሓይሊ ኣየር ብምዃን ክኽበር ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ኣፍሊጦም።

መበል 88 ዓመት እቲ ሓይሊ ኣየር ካብ 20 ሕዳር ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ስነ ሰርዓታት ዝኽበር ዘሎ እንትኸውን፥ 6 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ከምዝዛዘም ገሊፆም።

እቲ ትካል መፅናዕቲ ብምግባር ንፈለማ እዋን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተሾመ 20 ሕዳር 1928 ዓ.ም ምዃኑ ብምርግጋፅ ኣብቲ ዕለት በዓሉ ብቀዋምነት ንምኽባር ከምዝተወሰነ ኣፍሊጦም።

ሓሙሽተ ዓማውቲ እዚ ለውጢ እንታይ ከምዝተሰርሐ? እንግምግመሉን ናይ ቀፃሊ እንታይ ከምእንሰርሕ እንዳለወሉን መርሃ ግብሪ ዘርእዩ ዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ክህልዉና ኢዮም እወን ኢሎም።

6 ታሕሳስ በቲ ሓይሊ ኣየር ዝስልጥኑ ዝነበሩ ኦፊሰራት ከምዝምረቑ ተገሊፁ።

ብዓለምሰገድ ኣሳዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.