2ይ ዙር ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ዝቕፅል ሰንበት ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካልኣይ ዙር ዓለም ለኸ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ኢትዮጵያ 25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
እቲ ውድድር ዝተሰናደአ ብላዕለዋይ ሓላዋይነት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ብማሕበር ቁርዓን ዘይድ ኣብን ሳቢት ኢዩ፡፡
ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ ማሕበር ኑረዲን ቃሲም (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ውድድር ብቑዓት ኣንበብቲ ቁርዓንን ኣዛንን ንምፍራይ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም፡፡
ደቂ ኣንስትዮ ኣንበብቲ ቁርዓን ኣብቲ ውድድር ንኽሳተፉ ምግባሩ ካብ ኣፍሪካ ካልኣይ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ፈላማይ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ካብ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ሰገናት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ ተወዳርቲ ከምኡ እውን ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ውድድር ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ፡፡