Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ፍሉይ ቦታ ከምዝህብ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ፍሉይ ቦታ ከምዝህብ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ሽርክና ሕብረት ኣውሮፓ ዩታኧርፕላይነን ምስ ኮሚሽነር ምምሕዳር ቅልውላው እቲ ሕብረት ያኔስ ሌንአሲስ ኣብ ብራሰልስ ተዛቲዮም።
እቶም ሚኒስትር ነቶም ኮሚሽነራት እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።
ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ደገፈን ኩነታት ሃገራዊ ምርጫን ብዝምልከት መንግስቲ ዝሓዞ ቅዋም ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ ድርድር ዓብዪ ገድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዘሎ ኩነታት ኣብሪሆም።
ከዚህ ባለፈም ኢትዮጵያ ከህብረቱ ጋር በምታካሂደው የልማት ትብብር ላይ መክረዋል፡፡
ኢትዮጵያ ምስቲ ሕብረት እተካይዶ ምትሕብባር ልምዓት እውን ተዛቲዮም።
እቶም ኮሚሽነራት ብግደኦም፥ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ፍሉይ ቦታ ከምዝህብ ኣፍሊጦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዘለዋ ሃናፂ ግደ እቲ ሕብረት ዋጋ ከመዝህብ መግላፆም ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤልጂየም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.