Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝተፈጠረ ሰላምን ምርግጋዕን ዘላቒ ንክኸውን ነበርቲ ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምትሕብባር ይሰርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝተፈጠረ ሰላምን ምርግጋዕን ዘላቒ ንክኸውን ነበርቲ ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምትሕብባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እቶም ነበርቲ ኣብ ልዕሊ ጁንታ ህወሓት ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ድሕሪ ምክያዱ እታ ከተማ ናብ ሰለማዊ ምንቅስቓስ ከምዝተመለሰት ተዛሪቦም።

ሓይሊታት ዕጡቕ እቲ ጁንታ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ብዘብፅሕዎ መጥቃዕቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ከምዝተወሰደ ይዝከር።

እቶም ነበርቲ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝሰላምን ምርግጋዕን ንክህሊ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ኣብቲ ከባቢ ሓልሓሊፉ ገበን ስርቂ ከምዝሰትውዓል ብምሕባር  ንናይ ሓባር ድሕንነቶም ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

ሓላፊ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዶክተር ቴድሮስ ኣረጋይ፥ ሰላም እቲ ዞባ ንምሕላው ሕብረተሰብን ኣካላት ፀፅታን ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.