16 ዓመታት ሙሉእ ካርዲ ዘይርኣየ ተፃዋታይ………
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ፀወታ ኣብ ተፃራሪ ጋንታ ተፃወትቲ ብኣይሰዓርን በሃላይነት መንፈስ ናብ ህልኽ ኣትዮም÷ ክነሓንሑን ካብኡ ሕልፍ ኢሉ እውን ኣብ ሓደ ኣካል ጥፍኣት እንትፍፅሙን ምርኣይ ተለሚዱ እዩ፡፡
ተፃወትቲ ኣብ ምንቅስቓስ ፀወታኦም ከም ኣጋጣሚ ወይ ድማ ካብ ስፖርታዊ ሕግን ደንቢን ዝወፁ ተግባራት እንትፍፅሙ÷ስርዓት ንምትሓዝ ቢጫን ቀይሕን ካርዲታት ምምዛዝ ግዴትኦም ይኸውን፡፡
በዙይ እውን መብዛሕቲኦም ተፃወትቲ ቢጫን ቀይሕን ካርዲ ብተዳጋጋሚ ዝርእይሉ ኩነታት ይፍጠር፡፡
ካብዚ ሓቒ ብተቓራኒ ድማ ኩዕሶ እግሪ ን16 ዓመታት ተፃዊቱ ዋላ ሓደ ግዘ ቢጫ ይኹን ቀይሕ ካርዲ ርእዩ ዘይፈልጥ ተፃወቲ ምርካቡ ኣግራሞት ፈጢሩ ኣሎ፡፡
እዚ እንግሊዛዊ ኮኾብ ተፃዋቲ ጋሪ ሊንከር ይበሃል፡፡ ነበር ተፃዋታይ ባርሴሎና፣ ቶተንሃም ሆትስፐርስ፣ ኤቨርተንን ሌስተር ሲቲን እዚ ክገብር ክኢሉ፡፡
ጋሪ ሊንከር ኣብ እንግሊዝ ሌስተር ከተማ ተወሊዱ ኣብ ሌስተር ሲቲ ኣካዳሚ ብኩል ፕሮፌሽናል ኩዕሶ እግሪ ዝጀመረ እንትኾን ኣብ ዝተፈላለዩ ክለባትን ኣብ እንግሊዝ ብሄራዊ ጉጅለን እንፃወት ዋላ ሓደ ቢጫ ካርድ ኣይረኣየን፡፡
ን16 ዓመታት ኣብ 546 ፀወታታት ተሳቲፉ ልዕሊ 380 ሽቶታት ምቑፃር ዝኽኣለ እቲ እንግሊዛዊ ተፃዋታይ÷ኣብዞም ኩሎም ዓመታት ካርድ ዘይምርኣዩ ኣግራሞት ዝፈጠረ ኮይኑ ኣሎ፡፡
ጋሪ ሊንከር ንሃገሩ እንግሊዝ ኣብ 80 ፀወታታት ተሰሊፉ 48 ሽቶታት ምቁፃር ዝኽኣለ እንትኾን ኣብ እንግሊዝ ልዑል ሽቶ ካብ ዘቑፀሩ ተፃወትቲ ኣብ 4ይ ብርኪ ተሰሪዑ ይርከብ፡፡