Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ክልለ ትግራይ ምስ ዘለዉ ሰብ ዋና መፍረይቲ ኢንዱስትሪን መንቀሳቐስቲን መድረኽ ዘተ የካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣብ ክልለ ትግራይ ምስ ዘለዉ ሰብ ዋና መፍረይቲ ኢንዱስትሪን መንቀሳቐስቲን መድረኽ ዘተ የካየድ ኣሎ።

እቲ ልዝብ እቶም ትካላት ዳግማይ ናብ ስራሕ ብዛዕባ ዝኣትውሉ ዘነፃፀረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ዮሃንስ ድንቃየሁ፥ ኣብ ምዕራፍ መሊስካ ህንፀት ወሰንቲ ስራሕቲ ይዕመሙ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ብምኽኒያት ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተቋሪፁ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ናብ ስራሕ ምምላሱ ኣድላዪ ብምዃኑ ኢዩ እቲ መድረኽ ዝሳለጥ ዘሎ እውን ኢሎም።

እቲ ምኽባር ሕጊ ብምዝዛሙ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ኣቕርቦት ሓይሊን ዝተተሓሓዙ ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብወገን ኣንቀሳቐስቲ ኢንዱስትሪ ከም ፀገም ዝለዓሉ ምስ ኣቕርቦት ሓይሊን ሸርፊ ወፃኢን ዘለዉ ዛዕባታት ንምፍታሕ ዘኽአል ግብረ ሓይሊ ከምዝተጣየሸ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ኢንዱስትሪታት ሓዊሱ ኣብ ዓውዲ ጨርቃ መርቂ፣ ቆርበት፣ ሓፂነ መፂንን ካልኦት ኢንዱስትሪታትን ልዑል ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዝተፈጠረ ተሓቢሩ።

ሰብ ዋናን ኣንቀሳቐስቲን ኢንዱስትሪ እንተዝማልኡ ዝበልዎም ጉዳያት ዘልዓሉ እንትኾኑ፥ በቲ ግብረ ሓይሊ ዝተለለዩ ቀንዲ ቀንዲ ፀገማት ተፈሊዮም ተራእዮም።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.