Fana: At a Speed of Life!

12 ለካቲት መዓልቲ ሰማእታት እናተዘከረ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መበል 84 ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት 12 ለካቲት ኣብ ስድስት ኪሎ ሓወልቲ ሰማእታት ተረኺበን ሕቑፊ ዕምበባ ኣቐሚጠን።

ብተወሳኺ ድማ ፕሬዚዳንት ማሕበር ሓርበኛታት ኣቦታት ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ሕቑፊ ዕምበባ ዘቐመጡ እንትኸውን፥ ኣብቲ ዝኽሪ ሰማእታት ሓርበኛታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

በዓል መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት፥ ቅድሚ 84 ዓመት ጣሊያ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን 12 ለካቲት 1929 ዓ.ም 30 ሲሕ ዝኾኑ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉሉ ታሪኽ ዝዝከረሉ ኢዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ኣብራሃ ደቦጭን ሞገስ ኣስገዶምን ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ጦር ሩዶልፍ ግራዚያኒ ቡምባ ደርቢዮም ጉድኣት ብምብፀሖም ጦር ሰራዊት ጣሊያን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ጭፍጨፋ ከምዝፈፀመ ይዝከር፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.