Fana: At a Speed of Life!

116 ኢትዮጵያውያን ካብ ታንዛኒያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታንዛኒያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 116 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ብመንግስቲ ብዝተገበረ ሓገዝ ገንዘብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዳሬ ሰላም ምስ ኮሚሽን ኢሚግሬሽን ታንዛኒያ ብምትሕብባር ናይ ማእሰርቲ ግዜኦም ዝዛዘሙ 116 ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ክፍትሑ ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

በዚ ድማ ሰነድ ጉዕዞ ብምስንዳእ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ ዙር ተመስቲ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ምግላፁ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.