Fana: At a Speed of Life!

116 ሓደሽቲ ከተማታትን መንደራትን ገፀር ተረባሕቲ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2016 ዓ.ም 116 ሓደሽቲ ከተማታትን መንደራትን ገፀር ተረባሕቲ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ፍትሓዊ ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ዕላዊ ንምግባር ብሃገራዊ ፕሮግራም ቀረብ ኤሌክትሪክ ኣቢሉ ብዙሓት ስራሕቲ ይውግን ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብዚ ዓመት 116 ሓደሽቲ ከተማታትን መንደራትን ገፀር ተረባሕቲ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ገሊፁ።

ብተወሳኺ ብኦፍ ግሪድ ቴክኖሎጂ ኣማራፂ ሓይሊ ካብ ቀንዲ ግሪድ ርሒቖም ዝርከባ 2 ከተማታትን መንደራትን ገፀር ተረባሕቲ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ኣብቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.