Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣባላት ኮሚቴ ኖቤል ኖርዌይ ተራኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ኮሚቴ ኖቤል ኖርዌይ ተራኺቦም።

30 መስከረም ኮሚቴ ኖቤል ኖርዌይ ብመሰረት ዕላዊ ዝገበሮ፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ከምዝኾኑ ይዝከር።

ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኖርዌይ፣ ኦስሎ ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ሽልማቶም ክርከቡ ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ኖርዌይ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኤርና ሶልቤርግን ሓምሻይ ንጉስ ሃራልድን ዝዛተዩ እንትኾኑ፥ ኣብ ፓርላማ ኖርዌይ እውን ዑደት ክገብሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ኦስሎ ሎሚ መዓልቲ መብርሂ ክህቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንሰላምን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ብዝገበርዎ ፃዕሪ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሐ ቅርሕንቲ ኣብ ምፍታሕ ንዝገበርዎ ፃዕሪ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ንክኾኑ ከምዘኽኣሎም ይዝከር።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝነበረ ሓርፋፍ ርክብ ንክስተኻኸል ግደ ከምዝነበሮም እቲ ኮሚቴ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.