11 ደቂ ደቆም 14 ደቂ ደቂ ደቆም ብምርኣይ ኣብ መበል 100 ዓመቶም ዝዓረፉ መራሒ ሃገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር ትማሊ ኣብ መበል 100 ዓመቶም ከም ዝዓረፉ ተገሊፁ ።
ሓረስታይ ፉል ዝነበሩ ካርተር፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 100 ዓመቶም ኣኽቢሮም ነይሮም።
ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ካብ ካልኦት መራሕቲ እታ ሃገር ዝነውሐ ዕድመ ዝፀንሑ ካርተር፥ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ፕሌይንስ ጆርጅያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቶም ኢዮም ዓሪፎም።
ፕሬዚዳንት ጆ ባይደንን ምሩፅ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕን ንነበር ፕሬዚዳንት ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላምን ጂሚ ካርተር ክብሪ ሂቦም።
ባይደን፥ “ናይ መትከል፣ እምነትን ትሕትናን ሰብ” ክብሉ ገሊፀሙዎም።
ትራምፕ ድማ ኩሎም ኣሜሪካውያን ንካርተር “ናይ ምስጋና ዕዳ” ከም ዘለዎም ገሊፆም።
ሓረስታይ ዝነበሩ ካርተር፥ ኣብ 1977 ዓ.ም.ፈ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ንምዃን ዝበቕዑ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም እዮም።
ንሶም ኣብ ዋይት ሃውስ ንኣርባዕተ ዓመታት ጥራይ ዝፀንሑ ፕሬዚዳንት እንትኾኑ፥ ብድሕሬኦም ሮናልድ ሬጋን ብዓብላላይ ድምፂ ስልጣን ተረኪብዎም።
ካብ ዋይት ሃውስ ብናይ ሓደ እብረ ስልጣን ዝወፅኡ ካርተር፥ ብናይ ሰብኣዊ ስራሕቲ ዝናኦም ኣምሊሶም ሽልማት ኖቤል ሰላም ረኺቦም።
ካርተር ካብ በዓልቲ ቤቶም ኣርባዕተ ቆልዑ፥ 11 ደቂ ደቆም 14 ደቂ ደቂ ደቆም ዝርኣዩ ኣሜሪካዊ መራሒ ነይሮም።
ን77 ዓመታት ምስኦም ብሓዳር ዝፀንሓ በዓልቲ ቤቶም ሮዛሊን ኣብ ሕዳር 2023 ዓ.ም.ፈ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልየን ኢየን።
ወዲ ካርተር ቺፕ ሕልፈት ወላዲኡ ኣብ ዝገለፀሉ እዋን፥ ኣቡኡ “ንዓይ ጥራይ ዘይኰነስ ንኹሉ ኣብ ሰላም፣ ሰብኣዊ መሰላትን ፍቕርን ዝኣምን ሰብ ጅግና እዩ” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪታንያ ኬር ስታርመር ብግደኦም፥ “ካርተር ብሓያል እምነቱን ክብርታቱን ዝልለ፣ ናይ ስልጣን ዘመኑ ድሕሪ ምብቃዑ ድማ ዳግማይ ንማሕበራዊ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ብዘደንቕ ተወፋይነት ዳግማይ ገሊጽዎ” ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፥ ካርተር “ዩክሬን ገና ናፃ ኣብ ዘይነበረትሉ እዋን ዘገልገለ መራሒ’ዩ ነይሩ፤ እንተዀነ ግን ልቡ ኣብቲ ንናፅነት እንገብሮ ዝነበርና ቃልሲ ብፅኑዕ ምሳና ደው ኢሉ ነይሩ” ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፥ “ንመሰላት ኣዝዮም ተቓላዕቲ ሰባት ፅኑዕ ተጣባቒ ምንባሩን ንሰላም ከይተሓለለ ዝተቓለሰ ሰብን” ክብሉ ገሊፀምዎም።
ኣባል ዲሞክራት ዝዀኑ ካርተር ኣብ 1977 ዓ.ም.ፈ ፕሬዚዳንት ቅድሚ ምዃኖም፥ ኣመሓዳሪ ጆርጅያ፣ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካን ሓረስታይን ነይሮም።