Fana: At a Speed of Life!

“100 ንወገነይ” ዝተብሃለ ምትእኽኻብ ሓገዝ ካብ 1 ጳጉሜን ጀሚሩ ዕላዊ ከምዝግበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ 27 ነሓሰ 2013 (ኤፍ )ንክብሪ ሃገር ኣብ ግምባር እናተዋደቐ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ዝውዕለር “100 ንወገነይ” ዝተብሃለ ምትእኽኻብ ሓገዝ ካብ 1 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ዕላዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ወፍሪ ሓገዝ ሚኢቲ ንወገነይ ብፍላይ መናእሰይ ብስፍሓት ዝሳተፉሉ ከምዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ይልማ ተረፈ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ወፍሪ ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን መናእሰይ ከምዝሳተፉ ትፅቢት ዝግበር እንትኸውን፥ 180 ሚሊየን ብር ንምእካብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ፡፡

እቲ ወፍሪ ምትእኽኻብ ሓገዝ ካብ ሕድሕድ መንእሰይ 100 ብር ትፅቢት ዝግበር እንትኸውን፥ ሎሚ ቅነ ዕላዊ ብዝግበር ኣካውንት ባንኪ ኣታዊ ከምዝግበር እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1 ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.