Fana: At a Speed of Life!

1 ጳጉሜን  ናይ ምሽጋር ዕለት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ናይ ምሽጋር ጥሪታት፤ ዓቕሚታት ሓዱሽ ብርሃን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 1 ጳጉሜን  ናይ ምሽጋር ዕለት ይኽበር ኣሎ።

እቲ ዕለት እንትኽበር ኢትዮጵያ ነምሽጋር በዝተገበረ ፃዕሪታት፣ ዝተረኸቡ ዓወታትን ኣብ ከይዲ ዘጋጠሙ ብድሆታትን ይዝከሩ ኣለዉ።

ንኢትዮጵያ ንምሽጋር ዓብዪ ዓቕሚ ዝፈጠሩ ዓወታት ኣብ ኩሎም ዓውዲታት እንተተመዝገቡ እውን፥ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንምሽጋር ዕለት “ናይ ምሽጋር ምልክታት” ኢዮም።

ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብፍላይ ተካእቲ ፍሪያታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንምፍራይ ኣብ ዝተገበሩ ተግባራት 2 ቢሊየን ዶላር ዝግመቱ ተካእቲ ፍሪያታት ምፍራይ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ባጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ናይ ዓዲ ውሽጢ ምፍራይ ብምትካእ 2 ነጥቢ 315 ቢሊየን ብር ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ተተሊሙ 2 ነጥቢ 844 ቢሊየን ብር ብምድሓን ካብ ትልሚ ንላዕሊ ምዕዋት ተኻኢሉ ኢዩ።

ብኻሊእ መዳይ ብዙሓት ፋብሪካታት ዳግም ናብ ስራሕ ኣቲዮም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.