Fana: At a Speed of Life!

1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓመት ዕድመ ዘለዎ ቅሪት ኣካል ሽክና ርእሲ ኣብ ክልል ዓፋር ተረኺቡ

አዲስ አበባ፣ የካቲት 25፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኦልዶዋንን አሹሊያን ዝተብሃሉ መሳርሒታት እምኒ ምስ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓመት ዕድመ ዘለዎም ዘርኢ ሆሞ ኢሬክተስ ቅሪት ኣካላት ሽክና ርእሲ ኣብ ክልል ዓፋር ተረኺቦም።

መጠን ናይቲ ዝተረኸበ ሽክና ርእሲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ዝርከቡን ሆሞ ኢሬክተስ እናተብሃሉ ዝፍለጡን ኣካላት ዘርኢ ቅድመ ሰብ ዝመሳሰል ንኡሽተይ ርእሲ ዘለዎም ቅሪት ኣካላት፥ ምስ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት እምኒ ብፕሮጀክት ማእኸል መፅናዕቲ ጎና ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

በዓል መዚ ሓለዋን መፅናዕቲን ሓድጊታት ኢትዮጵያ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ እቶም ኣብ ጎና ዝተረኸቡ ቅሪት ኣካላት ሽክና ርእሲ ክልተ ከምዝኾኑን ሆሞ ኢሬክተስ እናተብሃሉ ምስ ዝፅውዑ ዘርኢ ደቂ ሰብ ዝምደቡ ከምዝኾኑን ኣፍሊጡ።

እቶም ቅሪት ኣካላት ድማ ኦልዶዋንን ኣሹሊያንን ተባሂሎም ዝፅውዑ መሳርሒታት ዘበነ እምኒ ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

እቲ ዝተረኸበ ሽክና ርእሲ መጠን ሓንጎሉ (590) እንትኾን፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣጠቓቕማ መሳርሒታት እምኒ ሆሞ ኢሬክተስ ዝነበረ ኣድማሳዊ ፍልጠት ኣብ ምስፋሕ፤ እቲ ዝተረኸበ ቅሪት ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

ውፅኢት ናይቲ መፅናዕቲ፥ ስፔን ኣብ ዝርከብ ማእኸል መፅናዕቲ ኣመፃፅኣ ደቂ ሰብ ሳይንቲስት ብዝኾኑ ተውልደ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ስለሺ ሰማውን ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ሳውዘርን ኮኔክቲከት ስቴት ተመራማሪ ፕሮፌሰር ብዝኾኑ ዶክተር ማይክል ሮጀርስን ዝምራሕ ፕሮጀክት ማእኸል መፅናዕቲ ጎና ዕላዊ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እቲ ብኣይተ ኢብራሂም ሃቢብ ዝተረኸበ ናይ መጀመርታ ሙሉእ ሽክና ርእሲ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓመት ዕድመ ዘለዎ እንትኸውን፥ እቲ ካልኣይ ድማ ብፕሮፌሰር ኒኮላስ ቶዝ ዝተረኸበ ክፋል ሽክና ርእሲ ከምዝኾነን 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዓመት ዕድመ ከምዘለዎን ተሓቢሩ።

ሆሞ ኢሬክተስ፥ ክልቲኡ ዓይነት መሳርሒ እምኒ ብተመሳሳሊ እዋን ሰሪሑ ይጥቀም ከምዝነበረ ብግልፂ ዘመላኸተ መፅናዕቲ ኢዩ ተባሂሉ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኸቡ ቅሪት ኣካላት ሆሞ ኢሬክተስ ኣብ ከባቢ ማእኸል ኣዋሽ (ዲካ)፣ መልካ ቁንጥሬን ኮንሶን ጥራሕ ዝፍለጡ እንትኾኑ፥ ኣብ ፕሮጀክት ጎና ዝተረኸበ ሆሞ ኢሬክተስ ግን ሓዱሽ፣ ኣድላዪን ተወሳኺ ሓበሬታ ዘበርከተን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፕሮጀክት ማእኸል መፅናዕቲ ፓሌዎኣንትሮፖሎጂ ጎና፥ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ብዝገበሮም ስራሕቲ ምርምር ኣብ ዓለም ብጣዕሚ ጥንታዊያንን 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዓመታት ዘቑፀሩ መሳርሒታት እምኒ፤ ከምኡ እውን 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዓመታት ዘቑፀረ ኣርዲፒቲከስ ራሚደስ ዝተብሃለ ጥንታዊ ቅሪት ኣካል ብምርካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ጆርናላት ብምሕታም ዝፍለጥ ፕሮጀክት ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.