Fana: At a Speed of Life!

1 ሺሕን 536 ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ናይ ምፍራይ ስራሕ ከምዝጀመሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ሽዱሽተ ወርሒ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 1 ሺሕን 536 ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ናይ ምፍራይ ስራሕ ከምዝጀመሩ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2016 እናተኻየደ ይርከብ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል÷ ከይዲ እቲ ገምጋም ትኹረት ካብ ዝገበረሎም ኢኮኖሚያዊ ዓውዲታት ሓደ ኣፈፃፅማ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ብዝተፈላለዩ ፀገማት ትሑት ከምዝነበረ ብምፅራሕ÷ ብምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ብስፍሓት ናብ ምፍራይ ክኣትዉ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪን ብዝተወሰዱ ስጉምቲታት ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ናብ 56 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ክብ ከምዝበለ ገሊፆም።

ምስ ፋይናንስ፣ ቀረብ ጥረ ኣቕሓ፣ ሓይሊ ሰብ፣ ምትእስሳር ዕዳጋ፣ ኤሌክትሪክና መሰል ኣብ ምምላእ መሰረተ ልምዓታትን ዘለዉ ፀገማት ብዝተዋደደ መገዲ ብምፍታሕ ውፅኢቱ ዓቕሚ ምፍራይ ንኸዓቢ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ን142 ሺሕን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተሓሲቡ 121 ሺሕ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ እውን ገሊፆም።

ብመንፅር ንግዲ ወፃኢ እቲ ዓውዲ ዘለዎ ትሑት ኣፈፃፅማ ንኸዓቢ ብፍሉይ ትኹረት ከምዝስራሕ እቶም ሚኒስትር ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.